ኣዲስ ኣበባ —
ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ’ቶም ኣብ ክልል ዓፋር ተኣሲሮም ዘለዉ ተወላዶ ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብህፁፅን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ክፍትሑ ፀዊዑ።
ሰብ-መዚ ክልል ዓፋር ግን “እሱራት ዘይኰኑስ ንድሕነቶም ኢልና ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐሚጥናዮም ዘሎና ዜጋታት’ዮም” ክብል ምላሽ ይህብ። መዓስ ናብ መንበሪታቶም ክምለሱ ምዃኖም’ውን ሰብ-መዚ እቲ ክልል ጠቒሶም ኣለዉ።