አዲስ አበባ —
ኢትዮጵያ ፈላማይ ሳተላይት ናብ ህዋ ወንጪፋ።እታ ሳተላይት ሎሚ ዓርቢ ካብ ናይ ቻይና ማእኸል ናብ ጠፈር ተወንጪፋ’ላ።
ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ቻይናን፣ ተመራመርቲን ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ማእኸል መዐዘብን ምርምርን እንጠጦ ነቲ ናይታ ሳተላይት ምውንጫፍ ብናይ ርሕቐት መቆፃፀሪ ሳተላይት ብቐጥታ ተኸታቲሎምዎ ኣለው።
ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ “እዚ ናብ ብልፅግና እንገብሮ ታሪኻዊ ጉዕዞና መሰረት እዩ’’ኢሎም ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሳይንስ ህዋን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ሰለሞን በላይ ንሮይተርስ ኣብዝሃብዎ ቃል ቻይና ንመብዛሕትኡ ወፃኢ ህንፀት ናይታ ሳተላይት ከምዝሸፈነቶ ሓቢሮም።