ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቃለ መሕትት ምስ ኤርትራዊ ወናኒ ሕርሻ ጣፍ ኣብ ኣመሪካ


ቃለ መሕትት ምስ ኤርትራዊ ወናኒ ሕርሻ ጣፍ ኣብ ኣመሪካ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:35 0:00

ቃለ መሕትት ምስ ኤርትራዊ ወናኒ ሕርሻ ጣፍ ኣብ ኣመሪካ

ኣብ 80`ታት ካብ ኤርትራ ብዘምጽአን 20 ኪሎ ዘርኢ ጣፍ ዝጀመረ ኣቶ ተስፋ ድራር፡ ኣብዚ እዋን`ዚ ኣብ ሽዱሽተ ግዝኣታት ኣመሪካ ብድምር ልዕሊ 3-ሺሕ ሄክታር መሬት ጣፍ ይሓርስ ኣሎ።

`'ሰላም ፉድስ' ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሕርሻ ጣፍ ዝነጥፍ ትካል ዝውንን ኣቶ ተስፋ፡ ጣፍ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትወሉ መንገዲ ኣብ ምድላይ`ውን ምስ ናይ ኣመሪካ ዓለም-ለኸ ትካል ልምዓት (USAID) ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

ወናኒ `ሰላም ፉድስ` ኣቶ ተስፋ ድራር ኣብ ስቱድዮ ድምጺ ኣመሪካ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤምባሲ ኢትዮጵያ`ውን ናብ ቀጻሊ ምርድዳእ ዘብጽሕ ርክብ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ`ሎ።

ጣፍ ካብቲ ግሉትን ዝብሃል ኣብ ከም በዓል ስርናይ ዝርከብ ንጥዕና ዘይሰማማዕ ንጥረ-ነገር ናጻ ብምዃኑ፡ ካብ ተጠቀምቲ ዝረኽቦ ዘሎ ጠለብ ብናህሪ እናዓበየ ይኸይድ ከም ዘሎ ዝገልጽ ኣቶ ተስፋ ድራር፡ ነዚ መሰረት ብምግባር ምህርቲ ጣፍ ናብ ወጻኢ`ውን ንምስዳድ ምስ ዓለም-ለኸ ትካል ልምዓት ኣመሪካ ዩኤስ.ኣይ.ዲ ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ።

እኽሊ ጣፍ ምስቲ ምድቃቑ ንክትዘርኦ፡ ክትዓጽዶን ክተኺዶን ኣዝዩ ኣህላኽን ተኣፋፍን ምዃኑ ዘዘኻኽር ኣቶ ተስፋ፡ ጣፍ ካብ እንጀራ ሓሊፉ ብመልክዕ ቅጫ፡ ግዓት፡ ብሽኮቲ፡ ቁርሲ ሲርያል ከምኡ ብመልክዕ ፒሳ ከይተረፈ ተዳልዩ ክቐርብ ዝኽእል ጥዕናዊ እኽሊ ብምዃኑ፡ ማዕረ`ቲ ድኻሙ፡ ፍሬኡ`ውን ዓቢይ`ዩ ይብል።

XS
SM
MD
LG