No media source currently available
'ሰላም ፉድስ' ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ሕርሻ ጣፍ ዝነጥፍ ትካል ዝውንን ኣቶ ተስፋ፡ ጣፍ ካብ ኣመሪካ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣትወሉ መንገዲ ኣብ ምድላይ`ውን ምስ ናይ ኣመሪካ ዓለም-ለኸ ትካል ልምዓት (USAID) ይዘራረብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ`ሎ። ወናኒ `ሰላም ፉድስ` ኣቶ ተስፋ ድራር ኣብ ስቱድዮ ድምጺ ኣመሪካ ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ምስ ሰበ-ስልጣን ኤምባሲ ኢትዮጵያ`ውን ናብ ቀጻሊ ምርድዳእ ዘብጽሕ ርክብ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ`ሎ።