ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕቶ መንነት ብምልዓልና ተበዲልና ዝበሉ ኣተሓባበርቲ ሕቶ መንነት ራያን መልሲ ሰበስልጣንን


ኣተሓባበርቲ ጉዳይ ሕቶ መንነት ራያን ሓደ ነባሪ አላማጣን ሕቶ መንነት ብምልዓልና ኣብ ልዕሌና በደል ተፈጺሙ’ዩ ይብሉ።ሕቶ ብምቕራብና ካብ መነባብሮና ተመዛቢልና ንዝበሉ ኣዘራሪብና ሰበስልጣን እውን ኣብዚ ጉዳይ ርእይቶ ሂቦም ኣለው።

ሕቶ መንነት ራያ ዘልዓሉ ንሕና ራያ እምበር ትግራይ ኣይኮነና፤ንዝሓለፉ 27 ዓመታት ብዘይፍቓድ ናብ ትግራይ ዝተኸለለ ራያ ሰብኣዊን ዴሞክራሲያውን መሰሉ ተሓሊዩ፣ማሕበራዊ ርክባቱ ሓደ ምስ ዝኾነ ህዝቢ ወሎ ብኣምሓራይነቱ ንክሕወስ ንደልይ ኢና ይብሉ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ኣተሓባባሪ ሕቶ መንነት ህዝቢ ራያ እየ ዝበሉ ኣቶ ኣገዘው ህዳሩን ኣቶ ጌታቸው ደሳለኝ።ኣቶ ጌታቸው “ህውሓት ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኢና ሕቶ መንነት ነልዕል ነይርና።ንኣብነት ኣብ 1993 ዓ/ም ካልኣይ ዓመት ተማሃራይ ዩኒቨርስቲ እናሃለኹ ተማሃሮ ኣብ ከተማ ማይጨው ምስ ዶ/ር ደብረፅዮን ኣኼባ ጌርና ናይ ኣላማጣን ዋጃን ብሓፈሻ ተማሃሮ ራያ ሓቲትና መልሲ ከይሃቡ ዓፊኖም ሒዞምዎ።”

ኣብዚ ሰዓት እዚ እቲ ሓረስታይን ተማሃራይን ኣብዝለዓለ ስግኣት ከምዝርከብን ኣብ ዋጃን ከባቢኡን እውን ሚሊሺያ ብምውፋር ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ኣሎ ክብሉ ኣቶ ጌታቸው ይዛረቡ።

ኣቶ ኣገዘው ብወገኖም እቲ ከባቢ 1985 ዓ.ም ምስ ትግራይ ክኽለል ከሎ ፈቐዶ ናይ ገጠር ጣቢያታት ተኣኻኺቦም በብድረጅኡ ሕቶ ኣቕሪቦም ነይሮም ይብሉ።

ንሶም ወሲኾም ጥርዓን ንምቕራብ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ሓቲትና ተኸልኪልና ይብሉ ።

ብኣማኢት ዝቑፀሩ ነበርቲ ዋጃ፣ጥሙጋን ረዥም ኮረራን ዝተሰደዱ መናእሰይ ኣብ ቆቦ ሓደ ቤት ትምህርቲ ተዓቒቦም ይርከቡ። ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ሓደ መንእሰይ ኣወል ሰይድ ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ይብል።

“ዝነብረሉ ራያ ኣላማጣ፣ዋጃ ኣብ እትብሃል ጣቢያ እዩ።ናይ ህውሓት ፍሉይ ሓይሊ ካብ ክልል ትግራይ ናይ ሓሰት ናይ ቤት ፍርዲ ወረቐት ሒዞም 15 እንኸውን መናእሰይ ክዕፍኑና ናብ ከተማ ዋጃ መፂኦም።”

ንሱ ቀጺሉ ናይ ዶ/ር ኣብይ ለውጢ ንምድጋፍና ሰላማዊ ሰልፊ ብምውፃእና ናይ ትግራይ ሰበስልጣን ግን ይቓወሙ ስለዘለውን ስለዘይተደመሩን እዚ ኣየሕጎሰኦምን ይብል።ናይ መንነት ሕቶ ብምልዓልና እውን እዩ ኢሉ።

ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ዘዘራረቦም ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ኣቶ ብርሃነ በየነ ዝቐረበ ሕቶ ይኹን ዝተመዛበለ ነባሪ ዝፈልጦ የብለይን ኢሎም።

“ናይ ትግራይ ክልል ድዮም ኣይኮኑ ንዝብሃል ሕግን ስርዓትን ዘለዎ ሃገር ኢና ዘለና።ሕገ መንግስቲ ኣሎ፤ከመይ ሕቶ ምልዓል ከምዝክኣል፣ከመይ ከምዝምለስ ንመን ከምዝሕተት መን ከምዝምልስ ብግልፂ ዝተቐመጠ ስርዓትን ሕግን ዘለዎ ሃገር እዩ።ዝደልይ ሰብ እንተሃሊዩ ክሓትት ይኽእል።ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ ግን ብሕግን ስርዓትን ዝተሓተት ሕቶ ከምዘየለን ነዚ ንምእንጋድ ዘይክኣለ ሰብ ከምዘየለን እየ ዝፈልጥ።”

ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ብወገኖን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ብፍላይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝውሃብ ርእይቶ ካብ ርሕቐት ኮይንኻ ከም ምውኻስ እዩ ይብሉዎ።

“ኣብ ክልልና ብሰንኪ መንነት ዝእሰር ዝኾነ ሰብ የለን።ትግራይ ብሰላም ዝንበረሉ ክልል እዩ።ናይ ካልእ ክለብ ኣባል ንምግባር ናይ ሕፁይነት ሕቶ ምቕራብ እዩ ዝመስል እምበር እቲ ሓቂ ፍፁም ኣብ ባይታ የለን።ኣብ ከባቢ ራያ ንስደት ምኽንያት ዝኸውን ሽግር የለን።ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም ብነዊሕ ናይ ፀብሒ ምድዋ ከሕብሩ ዝፈተኑ ኣካላት፤መንነቶም እውን ብግልፂ እንፈልጦም፣ኣነ እውን ብውልቀይ ዝፈልጦም ሓዊሱ ናይ ዝሰርሑዎ ዘለው ድራማ ኣካል እዩ።”

ራያ ኣላማጣ፣ራያ ዓዘቦ፣ራያ ኦፍላ፣ራያ ቆቦ ኣብ ክልል ኣምሓራ ወይስ ኣብ ክልል ትግራይ እዮም ንዝብል ዝቐረበሎም ሕቶ ኣቶ ረዳኢ ሓለፎም ክምልሱ ከለው ራያ ቆቦ ኣብ ክልል ኣምሓራ እዩ፣እቶም ዝተረፉ ግን ኣብ ክልል ትግራይ እዮም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG