ጀነቫ —
ደባይ ተዋጋእቲ ሑቲ ካብ ዝሓዝዎ ገለ ከባቢታት የመን ብስዑዲ ዝምራሕ ጥምረት ተደፊኦም ካብ ዝወጹ ራብዓይ ዓመት ተቖጺርሉ’ሎ።
ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ የመን ዝተኻየደ ኹናት ኣብ ዓለም’ቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝተራእየሉ ኹናት ክብል ገሊጽዎ’ሎ። እቲ ትካል ብተወሳኺ ብሰንኪ’ዚ ኹናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም፡ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞይቶም፡ ክትከላከሎ ብዝኸአሉ ሕማማት ኣብ መዓልቲ 10 ህጻናት ይሞቱ ክብል ብፍላይ ኣብ ህጻናት ዘስዓቦ ዓብይ ሃስያ ይገልጽ።
ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ገንዘብ ዝረኽብሉ ስራሕ እንተረኸቡ ኣብ መቃብራት ከተማ ሰንዓ ብብዝሒ ከምዝረአዩ’ውን ጸብጻባት ሕ/ሃ ይገልጽ።
ዓለምለኸ ትካል ተሓላቒ መሰላት ቆልዑ ሴቭ ዘ ችልድረን (Save the Children) ኣብ የመን 85,000 ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ህጻናት ብሰንኪ ኹናት ዘስዓቦ ጥምየት ምሟቶምን ካብቲ 24 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ’ታ ሃገር 80 ሚእታዊት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝድልዮን ኣስታት 1 ሚልዮን ዝኸውን ድማ ካብ መነባብርኡ ተመዛቢሉ ከምዘሎ ይሕብር።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።