መቐለ —
ቅዱስ ሲኖዶስ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ንዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ርክብ ንክቕፅል ዘቕረቦ ፃውዒት ከም ዘይቅበሉዎ ሊቀ-ጳጳስ ሃገረስብከት ዓዲግራት ብፁእ ኣቡነ መርሃክርስቶስ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።
ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዛዕባ ዘሎ ፍፃመታት ርእይቶ ተሓቲቶም ድማ “ዝፈልጦ ነገር የለን” ኢሎም።