ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወተሃደራዊ ሓይሊ`ዚምባብወ ነታ ሃገር ከምዝተቖጻጸረ እንተኾነ፡ ንዝተወሰኑ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ዒላማ ዝገበረ`ምበር፡ ዕላዋ መንግስቲ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ


ዚምባብወ ኣብ ዘይተረጋገጸ ኩነታት ትርከብ። ወተሃደራዊ ሓይሊ`ዚምባብወ ነታ ሃገር ከምዝተቖጻጸረ ብመንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣፍሊጡ`ሎ: እንተኾነ፡ እቲ ተግባር ንዝተወሰኑ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ዒላማ ዝግበረ`ምበር፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣይኮነን ክብል ኣሰሚዑ`ሎ። ፕረዚደንት ሙጋበን ቤተሰቦምን ኣብ ደሓን ከምዘለዉ`ውን እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወሲኹ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብወተሃደራዊ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺወንጋ ዝምራሕ ሰራዊት፡ ብታንክታትን ድሩዓት መካይንን ተዓጂቡ ንከተማ ሃራረ ይቆጻጸር። ንዋና መንግስታዊ ተሌቪዥን`ታ ሃገር ድሕሪ ምቁጽጻር ድማ ብወሃቢ-ቃሉ ጀነራል ማዮ ጌሩ ከምዚ ዝስዕብ ክብል ኣዊጁ።

“ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበን ስድርኦምን ሰላም`ዮም ዘለዉ። ውሕስነት ጸጥትኦም`ውን ዝተረጋገጸ`ዩ። እዚ ጌርናዮ ዘለና ነቶም ኣብ ዙርያኦም ዘለዉ ገበነኛታትን፡ ኣብ`ዛ ሃገር ፡ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ስቓይ ዝውስኹን ዘለዉ ጥራሕ ናብ ፍትሒ ንምቕራብ ዝዓለመ`ዩ። ተልእኮና ምስ ፈጸምና፡ እቲ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ`ዩ ድልየትና”።

ትማሊ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ወተሃደራት ኣብ`ታ ኸተማ ብብዝሒ ይርኣዩ ኔሮም-ገለ ሰለስተ ዝኸውን ፍንጀራታትን ከቢድ ተኹስን`ውን ተሰሚዑ`ዩ። ህዝቢ ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ንደገ ከይወጽእ`ውን ብተለቪዥን ተነጊሩዎ`ሎ። ኤምባሲታት ኣሜሪካን ብሪጣንያን፡ ዜጋተተን ካብ ገዝኦም ከይወጹ መኺረን ኣለዋ።

እዚ ዳሕራዋይ ምዕባለ ዝስማዕ ዘሎ፡ ፕረዚደንት ሙጋበ ንምኽትሎም ንኤመርሰን ምናንጋዋ ድሕሪ ምብራሮም`ዩ። ናቶም ምብራር ከኣ ንበዓልቲ ቤት ሙጋቤ፡ ንግሬስ ሙጋበ ቦታ ምሃብ ኮይኑ ተራእዩ። ጀነራል ኮንስታንትኖ ድማ፡ ንምብራር ገዳይም ተጋደልቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ክቃወም ጸኒሑ`ሎ። ኣቐድም ኣቢሉ`ውን፡ ፕረዚደንት ሙጋበ ንገዳይም መራሕቲ ምብራር ደው እንተዘየቢሎም፡ስልጣነይ ከረክብ`የ ክብል ኣጠንቂቑ ኔሩ`ዩ። ገዛኢ ፓርቲ ዛኑ-ፒ ኤፍ ግን፡ ነቲ ጀነራል ብክድዓታዊ ባህርያት ነቒፍዎ።

ሕጂ እቲ ተዋስኦ ኣብ ምጅማር`ዩ ዘሎ ይብሉ ገለ ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ተዓዘብቲ። ገዛኢ ፓርቲ`ውን እቲ ዝተባረረ ምኽትል ፕረሲደንት- ኤመርሰን ምናንጋዋ -ናብ ቦትኡ ክምለስ`ዩ ዝብል ብማሕበራዊ መዲያ ኣመሓላሊፉ`ሎ፡-

ምስ ኣህጉራዊ ጉጅለ ቅልውላው ዝሰርሕ ፔየርስ ፒጎ ዝተባህለ ተንታኒ፡ ኣብ መሪሕነት ለውጢ ምግባር ንሽግራት ዚምባብወ ኣይፈትሕን`ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

“ኣየናይ ፖሊቲካዊ ሓይሊ ናብ ስልጣን ይመጽእ ዝብል`ዩ ዘገድስ። ከም እምነተይ ድማ ዝተባረረ ምኽትል ፕረዚደንት ምናንጋዋ፡ ናብ ስልጣን ክምለስ`ዩ። ግን ንሱ’ኸ ንኣሳታፊ ዝኾነ ፖሊቲካዊ ሃዋህው ማዕጾ ይኸፍት `ዶ ዝብል ሕቶ ኣብ ቦትኡ `ዩ ዘሎ። ኣብ ዚምባብወ ዘሎ ኤኮኖሚያውን ማሕበራዊን ኩነታት ኣዚዩ ከቢድ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ካብ ንቡር ፖሊቲካዊ ሃዋህው ንላዕሊ ምትእትታው ዝሓትት`ዩ”።

ዚምባብወ ድሕሪ ናጽነታ ካልእ ፕረዚደንት ኣይትፈልጥን ። ንዳርጋ ፍርቂ ክፍለ-ዘመን፡ ምስ`ታ ደቡባዊት ሃገር ዘይነጻጸል መራሒ ኮይኑ`ዩ ጸኒሑ። ኣብ ለካቲት 21 ,1924 ኣብ`ታ ናይ ሽዕኡ ሮዶሺያ ዝተወልደ ሮበርት ሙጋበ፡ ኣንጻር ጸዓዱ ገዛእቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፡ ኣብ 1980 ናጽነት ዚምባብወ ኣረጋጊጹ።

ዝተፈላለየ ፓርላመንታዊን ፕረዚደንታዊን ምርጫታት እናካየደ መጺኡ፡ ድሓር ግን ስልጣን ኣብ ምምርቓሕ ተገዳስነት እናጉደለ መጺኡ። ዝቕባበ ገንዝበ ሰማይ ዓሪጉ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣድማ ኣዘውቲሮም።

ወዲ 93 ዓመት ሙጋበ፡ ሕጂ`ውን ንዝመጽእ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ክወዳደር መደብ ኔርዎ`ዩ። ሕጂ ግን እቲ ዘይድፈር ዝብሃል መራሒ ሃንደበት ጸጥ ኢሉ፡ ካብ ገዝኡ ኸይወጽእ`ውን ተሓጺሩ`ሎ። መልሲ ዝጠልቡ ሕቶታት`ውን ቀጺሎም` ኣለዉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG