ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዚምባብወ:  ዕልዋ ብዝመስል ወታሃደራዊ ምትእትታው ትሕመስ


ፕረዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ጃኮብ ዙማ ትማሊ ሰሉስ ሕዳር 14 ወተሃደራት ዚምባብወ ዕልዋ ብዝመስል ንመንግስታዊ ተሌቪዥን ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ቦታታት ድሕሪ ምቁጽጻሮም፥ ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ገዛ ተሓጺሮም ክጸንሑ ከምዝተገብረ ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃን ኣቦ መንበር ማሕበር ልምዓት ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ማለት ሳድክ (SADC) ዝኾኑ ጃኮብ ዙማ ሎሚ ኣብ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስ ፕረዚደንት ሙጋበ ከምዝተዘራረቡ ኣፍሊጦም። ንሶም: “ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ገዛ ጸኒሖም ምህላዎም ኣመልኪቶምለይ። ይኹንምበር ደሓን ምህላዎም ገሊጾምለይ። ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ ምስ ሓይልታት ምክልኻል ዚምባብወ ኣብ ርክብ ኣላ” ድማ ኢሎም።

ን 37 ዓመታት ንዚምባብወ ዝመርሑ ፕረዚደንት ሙጋበ: ኣብዚ ቐረባ ግዜ ምስ ኢመርሶን ምናንጋግዋ ዝተባህለ ምክትሎም ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ: ነቲ ምክትል ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ከምዝኣለይዎ’ዩ ተሓቢሩ።

ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዚምባብወ ጀነራል ኮንስታንቲኖ ቺወንጋ ኣቐዲም ኣቢሉ ፕረዚደንት ዚምባብወ ንደገፍቲ ምናንጋግዋ ኣቖጢዑ ካብ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ዝፈሊ ተግባራት እንተዘይተቖጢቦም ኢዶም ክመልሱ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ነይሮም። እዚ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምትሕልላፉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ድማ ታንክታት ዝርከብኦም ድሩዓት ወተሃደራዊ መኻይን ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ሃራረ ከምዝተራእያ ተሓቢሩ።

ኣብ ሃራረ ርእሰ ከተማ ዚምባብወ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኤምባሲታት ምዕራባውያን ሃገራት ብዝርአ ዘሎ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ሰራሕተኛታተን ዘየድሊ ምንቅስቓስ ከየዘውትሩን ኣብ ቤቶም ኮይኖም ክዓዩን ምውሳነን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፉ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ኣብ ሞንጎ ካብ መዝነቱ ዝተባረረ ምክትል ፕረዚደንት ዚምባብወ ነበር ኢመርሶን ምናንጋዋን በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ሮበርት ሙጋበ ዝኾነት ግረስ ሙጋበን ንስልጣን ሙጋበ ንምትካእ ኣብ ቁሩቁስ እዮም ጸኒሖም። 75 ዝዕድመኡ ኢመርሶን ምናንጋዋ ደገፍ ናይ ሰራዊት ዚምባብወ ክህልዎ እንከሎ 51 ዝዕድመኣ ግረስ ሙጋበ ድማ ካብ መንእሰያት ኣባላት ገዛኢ ሰልፊ ዛኑ ፒኤፍ ከምዘለዎምዩ ዝሕበር።

ፕረዚደንት ሙጋበ ሓደ ካብ ኣብ ስልጣን ንዝነውሐ ግዜ ዝጸንሑ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኮይኖም'ዮም ዝግለጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዚምባብወ:  ዕልዋ ብዝመስል ወታሃደራዊ ምትእትታው ትሕመስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:23 0:00

XS
SM
MD
LG