ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዮርዳኖስ ፍስሃየ፡ ምርኢት ጽባቐ-ኽዳውንቲ ንምድላው ናብ ኣስመራ ተምርሕ


Yordanos Fessehaye, co-owner of `Shenen`
Yordanos Fessehaye, co-owner of `Shenen`

ምስ ብጾታ ብምዃን “ሸነን” ትብል ትካል ምርኢት ጽባቐ ተቕውም ኣላ

ኣብ ምጽብባቕ ገጽን ክንክን ቆርበትን ተምክሮ ዘጥረየት ዮርዳኖስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ኤርትራውያን በዓላት ምርኢታት ጽባቐ ኽዳውንቲ ኣርእያ ኔራ።

ሕጂ ድማ ኣብ ኣስመራ `ሸነን` ትብል ማሕበር ምስ ብጾታ ብምድላው ዝመጽእ ድሮ ልደት ኣብ ኣስመራ ምርኢት ክዳውንቲ ከቕርቡ ይዳለዉ ኣለዉ። `ሸነን` ዝብል ቃል፡ ትግርኛ ኾይኑ ብኩርዓት ምስጓም ወይ ሸነን ምባል ማለት`ዩ።

ኣብ ስትድዮ VOA ተረኺባ ምስ ጋዜጠኛ ተወልደ ወልደገብሬል ዝገበረቶ ቃለ-መጠይቕ ንምስማዕ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG