ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ድሕሪ ናይ 18 ሰዓታት ጉዕዞ ናብ ባሕሪ ደርብዮምና” ብህይወት ካብ ዝተረፉ ስደተኛታት


የመን፡ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ኮነ ኢሎም 50 ስደተኛታት ምጥሓሎም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:45 0:00

የመን፡ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ኮነ ኢሎም ስደተኛታት ምጥሓሎም ተሓቢሩ

ካብ ኢትዮጵያ ተበጊሶም ብሶማል ኣቢሎም ቀይሕ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ የመን ዝጉዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ሸብዋ የመን ምድርባዮም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ይገልጽ። እዞም ስደተኛታት ብዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ካብ ዝትኮሰሎም ጥይት ንምድሓን ናብ ባሕሪ ምዝላሎምን እቶም ምሕባስ ዝኽእሉ ክተተርፉ ከለው ብዙሓት ካልኦት ግን ብህይወት ክተርፉ ከምዘይኸአሉ ይገልጹ።

ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ካብ ዝሞቱ ሬሳ ክልተ ኢትዮጵያዊያን ሎሚ ከምዝተረኽበን ” ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ሬሳ ይቐብር አለኹ” ዝበለ ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፈ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብወገኑ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ተሪፎም ናይ ህክምና ኣገልግሎት ዝተዋህቦም ስደተኛታት ጉዕዞም ከምዝቐጸሉ ይገልጽ።

ካብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ስደተኛታትን ካብዚ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ጽዮን ግርማ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ዊንታ ኪዳነ ከተቕርቦ’ያ።

ካብቶም ትማሊ እዚ ሓደጋ ዘጋጠሞም 160 ስደተኛታት መብዛሕትኦም ካብ ክልል ኦሮምያ ምኳኖም እንተኮነ ካብ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዝተበገሱ ኣብታ ጀልባ ተሳፊሮም ከምዝነበሩ ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ይሕብሩ።

ካብቲ ሓደጋ ዝተረፉ ዝተበገሰሉ ጉዕዞ ክፍጽሙ ዘይኸአለ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዶር ዓሊ ዝተባህለ ከባቢ ኣብ የመን ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ንድምጺ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ኩነነታ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

ካብቲ ሓደጋ ዝተረፈት መስኖ ጠሪ ዝተባህለት ናይ ሸውዓተ ወርሒ ነፍሰ ጾር፡ ካብ ሃረርጌ ረጫሴ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተበገሰትን ኣብ ዓዳ ዘሎ ኩነታት ስለዘማረራ ነዚ ጉዕዞ ክትፍጽም ምግዳዳ ትገልጽ። ንሳ መጀመርያ ናብ ሶማልያ ክልል ከምዝሃደመት ካብኡ ናብ ሶማል ከምዝኸደት ካብኡ ድማ ጀልባ ተጻዒና ናብ የመን ከምዝተበገሰት ትገልጽ።

መስኖ ብተወሳኺ ናብታ ጀልና ክጸዓኑ ከለው ገንዘብ ከምዝኸፈሉ ድሕሪ 18 ሰዓታት ጉዕዞ በጺሕኩም ኢኹም ኢሎም ከምዘውረድዎ፡ ናይታ ጀልባ ሞተር አጥፊኦም ብብረት ብምፍርራሕ ክወርዱ ከምዘገደድዎም ትገልጽ።

“ነታ ጀልባ ቅድሚ ምግልባጦም ይሃርሙና ኔሮም። ነተን ደቂ ኣንስትዮ ብጸጉርና ይደፍኡና ኔሮም። እዘን ሕጂ ዝቐበርናየን ክልተ ሰባት ኢድ ኢድ ተታሓሒዝና ኔርና። እቲ ወናኒ እታ ጀልባ ንሰለስቴና ምስ ደፍአና ንሰን ሞይተን አነ ድማ ብእግዚኣብሄር ተሪፈ።”

ድሕሪ እቲ ሓደጋ ዓቕሚ ዘለዎም ጉዕዞኦም ቀጺሎም እቶም ዓቕሚ ዝሰአኑ ግን ኣብኡ ጸኒሖም።ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ናይ መግቢ፡ማይን ናይ ህጹጽ እዋን ህክምናዊ ኣገልግሎት ካብ ዝገበረሎም 57 ሰባት ብተወሳኺ ካልኦት 84 ቅድሚ እቲ ትካል ናብቲ ቦታ ምብጽሑ ነቲ ቦታ ለቒቆም ምካዶም ይገልጽ።

መስኖ ብሰንኪ ጥንሲ ጉዕዞ ክትቅጽል ከምዘይኸአለት ብምሕባር ናብዚ ኹሉ ሽግር ዝበጽሓት ኣብ ዓዳ ክትነብር ብዘይምኽኣላ ምኳኑ ፡ በዓል ቤት ካብ ዝእሰር ክልተ ወርሒ ምቁጻሩ ብድሕሪ ምእሳሩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ብዛዕባ ንሱ የኻይዶ ዝነበረ ምንቅስቃስ ሓብርና እንዳበሉ ከምዘሸግርዋን ንሳ ግን አበይ ተአሲሩ ከምዘሎ እኳ ክትፈልጥ ከምዘይኸአለት ወለዱ’ውን እንተኾኑ ሃለዋቱ ክፈልጡ ከምዘይኸአሉ ትገልጽ።

ጀማል ቀልቦ ካብታ ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ዝተደርበዩ ስደተኛታት ሓደ እዩ። ንሱ ካብ ቦሳሶ ከምዝተበገሰ መጀመርያ 300 ሰባት ከምዝተበገሱ ካብኦም 250 ኢትዮጵያዊያን ምኳኖም ብምግላጽ ክሳብ ሕጂ ምሟቶም ዝተረጋገጸ ግን 69 ምኳኖም ገለ ካብኣቶም እውን አስከሬኖም ተረኺቡ ከምተቐብረ ይሕብር።

“160 ሰባት ኔሮም 19 ሰባት ሞይቶም ካብኦም ድማ ሬሳ ሽዱሽተ ሰባት ተረኺቡ’ሎ። ክልተ ኣወዳት ሽዱሽተ አዋልድ እዮም። ብጠቕላላ ሸሞንተ ማለት እዩ ሕጂ ነቶም ዝተረኽቡ ንቐብር አለና። ካብቶም ዝተረፉ ዝበዝሑ ብመስመር ሰብዋ ናብ ሰንዓ ከይዶም። ብእግሮም እዮም ዝጉዓዙ ይብል።”

ወሃቢት ቃል ትካል ዓለምለኸ ስደተኛታት ኦሊቭያ ሂዶን ካብ ጀነቭ ውን ነዚ የረጋግጻ።

“ብመሰረት ሎሚ መዓልቲ ዝተገንዘብናዮ ፡ እቶም ትማልን ብቕድሚ ትማሊን ንሕና ዝሓገዝናዮም ስደተኛታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ናትና ኣባላት የለው። ይመስለኒ ናብ ሃገራት ውሽመጥ ጉዕዞኦም ንምቅጻል ብምውሳን ካባና ከይዶም’ዮም። ናብ ዶብ ንምብጻሕ ጥራይ እቲ ጉዕዞ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ መዓልታት ይወስድ። ስለዚ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ውሽጢ የመን ይህልው ይኾኑ። ንሕና ናይ ህጹጽ እዋን ናይ ህክምና ኣገልግሎትን ገለ ስነ ኣእምሮኣዊ ደገፍን ሂብናዮም። እቲ ናብ የመን ምጉዓዝ ዘለዎ ሓደገኛነትን ናብ ሃገሮም ክልምለሱ እንተደልዮም ሓገዝ ክንህቦም ቅሩባት ምኳና ሓቢርናዮም። ኣብ ሓደ ቦታ ክጸንሑ ኣይደልዩን ኣብ ቀይዲ ከይኣትው ይፈርሁ።ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብቲ ቦታ ዝለአኽ ሓደ ጉጅለ ነዳልው አለና ከምኡ’ውን ሰንበት ኣብቲ ቦታ ዳሕሳስ ዘካይድ ጉጅለ ክንልእኽ ኢና።

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት 208 ኢትዮጵያዊያን ሶማልያዊያን ስደተኛታት ኣብ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ናብ ባሕሪ ተደብዮም ምርኻቦም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ምሕባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG