ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

የመን፡ ትማልን ሎሚን 69 ኢትዮጵያውያንን ሶማልያውያንን ብዘይሕጋዊያን አስገርቲ ባሕሪ ተደርብዮም ከምዝሞቱ ትካላት ስደተኛታት ሓቢሮም


ዘይሕጋዊያን አስገርቲ፡ ንኣስታት 50 ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ስደተኛታት ትማሊ ናብ ባሕሪ ከምዝደርበይዎም ይግለጽ ኣሎ።

ብተወሳኺ ሎሚ አስታት 180 ኢትዮጵያዊያን ናብ ባሕሪ ምድርባዮም ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት አፍሊጡ’ሎ። በዚ ክልተ ሓደጋታት ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 69 ሰባት ምሟቶም’ውን እቲ ትካል ሓቢሩ’ሎ።

ዘይሕጋዊያን አስገርቲ፡ 120 ኢትዮጵያዊያንን ሶማልያዊያን ጽዒና ዝነበረት ጀልባ ኮነ ኢሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ትማሊ ከምዝደርበይዎምን፡ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 50 መንእሰያት ምጥሓሎምን ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ኣብ ምድላይ ተዋፊሮም ከምዘለው ዓለም-ለኸ ትካላት ስደተኛታት ይገልጹ`ለዉ።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ንሰበ ስልጣን ኢምግሬሽን የመን ኣብ ዝሃብዎ ቃል እቶም አስገርቲ ንሰበ ስልጣን የመን ኣብ ገማግም ባሕሪ ምስ ረአዩምን ብስንባደ ነቶም ስደተኛታት ናብቲ ዘይርጉእ ባሕሪ ምድርባዮም ይገልጹ።

ወሃቢት ቃል ትካል ስደተኛታት ኦሊቭያ ሂዶን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃበቶ ቃል እቶም ስደተኛታት ከምዝሞቱ ይፈልጡ’ዮም ግን አማራጺ ኣይነበሮምን ትብል።

“ሓደ መራሒ`ቶም ዘይሕጋዊያን አስገርቲ`ዩ ነቶም ስደተኛታት መምርሒ ዝህብ ዝነበረ እንተኾነ ግን ካልኦት ብረት ዝዓጠቑ ምስኡ ዝተሓባበሩ ኣብታ ጀልባ ኔሮም። ስለዚ እቶም ስደተኛታት ዝነበሮም ኣማራጺ፡ ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ ዘጋጥሞም ዝነብረ ዓመጽን ስቅያት ተወሳኺ ምርኣይ፡ ወይ ካብ ዝትኩሱሎም ናብ ባሕሪ ምዝላል፡ ገለ’ውን ኮነ ተባሂሉ ናብቲ ባሕሪ ዝተደፍኡ ኔሮም።”

የመን፡ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ሰባት ኮነ ኢሎም 50 ስደተኛታት ምጥሓሎም ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:45 0:00

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሎሚ ሓሙስ 10 ነሓሰ, 2017 ዓ.ም`ውን. 180 ኢትዮጵያውያን ናብ የመን ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን፡ ተደፊኦም ናብ ባሕሪ ከምዝተደርበዩ፡ ካብ መንጎኦም 19 ምሟቶም ምርግጋጹ ትካል-ስደተኛታት (ኣይኦኤም) ኣፍሊጡ`ሎ።

ዳይሬክተር ጨንፈር ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዓደን ሊና ኩሱ ብወገነን ከምዚ ይብላ።

“ ሎሚ 180 ትማሊ ድማ 120 እዮም። ሎሚ 180 ኢትዮጵያዊያን ኣብታ ጀልባ ኔሮም ድሕሪ ኡ እቶም አስገርቲ ናብ ወሰን ባሕሪ የመን ደርብዮሞም።ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ሕክምናዊ ሓገዝ ንገብረሎም አለና።”

ኣብዚ ክልተ መዓልታት ብዘጋጠመ ሓደጋ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 69 ሰባት ምሟቶም ትካል ዓለምለኸ ስደተኛታት ኣፍሊጡ'ሎ።

እቶም ዘይሕጋዊያን ኣስገርቲ ነቶም ስደተኛታት ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ድሕሪ ምድርባዮም ናብ ሶማልያ ከምዝተመልሱ ወሃቢት ቃል ትካል ዓለምለኸ ስደተኛታት ኦሊቭያ ሂዶን ይገልጻ። ንሰን ብተወሳኺ እቶም ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ክኣትው ትሑት ተኽእሎ ከምዘሎ እንተኾነ እቲ ትካል ግን ብህይወት ካብ ዝደሓኑ እኹል ሓበሬታ ብምእኻብ ንሰበ ስልጣን ከምዘሕልፍ ብምግላጽ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ንምባል ልዑል ዓለምለኸ ምትሕብባር ከምዘድልይ ገሊጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG