ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁፅሪ ናብ የመን ዝሰግሩ ኣፍሪቃውያን ወሲኹ


ቁፅሪ ዓሚ ናብ የመን ዝሰገሩ ኣፍሪቃውያን ካብ‘ቲ ናይ ቅድሚ ዓሚ ብዕፅፊ ከምዝዓበየ ሕ/መ ኣፍሊጡ።ዓሚ ጥራሕ 103 ሽሕ ስዱዳት ናብ የመን ከምዝኣተው‘ውን ገሊፁ።

እቲ ሪፖርት ዓሚ 103 ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ከምዝሞቱ ይጠቅስ።
እቶም ናብ የመን ዝኣተው‘ውን እንተኾኑ ፀምልዮምን ማሲኖምን ከምዝበፅሑ ወሃቢ-ቃል UNHCR ኣድርያን ኤድዋርድ ሓቢሮም፥

“ንቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝሰግሩ፣ከቢድ ግድላትን ፀገማትን‘ዮ ዘጋጥሞም።ኣብ ሃገሮም፣ጉዕዘኦምን ኣብየመንን።ኣካላዊ፣ፆታዊን ናይ ኣግዓዝትን በደል‘ውን ኣይፍለዮምን” ኢሎም ሚስተር ኢድዋርድስ።

እቶም ስዱዳት ኣብ የመን ምስ ኣተው ንሓድሽን ከቢድን ፀገም ከምዝቃልዑ ዝጠቀሱ ሚስተር ኤድዋርድ፣መንበሪ፣ማይ፣መግቢን መሰረታዊ ክንክንን ከምዝሕሰሙ‘ውን ገሊፆም።ናይ ስራሕን ምዝውዋርን ፀገም‘ውን ኣለዎም።

ዳሕረዋይ ኣሃዛዊ ሓበሬታ፣በዝሒ ናብ የመን ዝኣትው ኢትዮዽያውያን ምውሳኹ የርኢ።ሲሶ ስዱዳት ኢትዮዽያውያን‘ዮም።ቅድሚኡ ግና ዝበዝሑ ስደተኛታት ሶማልያውያን‘ዮም ነይሮም።

ሶማልያውያን ናብ የመን ክኣትው ከለው፣መሰል ስደተኛ ናይ ምርካብ ዕድል ኣለዎም።እዚ ማለት ዕድላት ክረኽቡ ይኽእሉ‘ዮም ማለት‘ዩ።ኢትዮዽያውያን ግና ቁጠባዊ ስደተኛታት‘ዮም ተባሂሎም ስለዝመነሎም፣ኣብ የመን ዝፀንሕሉ እዋን ፅንኩር ይገብሮ‘ሎ ይብሉ ሚስተር ኤድዋርድ።

”ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ብወገን የመን፣ሰለስተ ኢትዮዽያዊያን ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ስለዝተቀትሉ ተሻቂልና ኣለና።ብመሰረት‘ዚ ዝረኸናዮ ሓበሬታ፣ ካብ‘ቶም ገንዘብ ክዘርፉዎም ዝሃቀኑ ኣግዐዝቲ ከምልጡ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን‘ዮም ተቀቲሎም።ኣብ የመን ዝርኣይ ህውከት፣ንኣግዐዝቲ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩሎም‘ሎ” እውን ኢሎም ንሶም።

ስደተኛታት ኣብ የመን ምስ ኣተው፣ግዳያት ኣግዐዝቲ ይኾኑ ከምዘለው ሚስተር ኤድዋርድ ይሕብሩ።ቀዳሞት ግዳያት ይኾኑ ዘለው ግና፣እግሮም ኣብ የመን ንፈለማ ጊዜ ዝረገፀ ኢትዮዽያዊያን‘ዮም።ገለ ሶማልያውያን እውን ናይ ምጭዋይ ሓደጋ ከምዘጋጥሞም ሚስተር ኤድዋርድ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG