ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ቻይና ንዝሓየለ ጽምዶ ምስ ኤርትራ ይጽውዑ


ፕረዚደንት ኢሳያስ ቻይና ኣብ ዝኣተውሉ ዝተወስደ
ፕረዚደንት ኢሳያስ ቻይና ኣብ ዝኣተውሉ ዝተወስደ

ኣብ ቻይና ዑደት ስራሕ ምስ ዝገብሩ ዘለዉ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ሰኑይ ዝርርብ ዘካየዱ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ፡ ምስ ኤርትራ ዝሓየለ ዝምድናን ሽርክነት ክገብሩ ምዃኖም ተዛሪቦም።

“ናይ ቀደም ዓርኪ ቻይናን ላዕለዋይ መራሒ ኣፍሪቃን” ክብሉ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝጸውዑ ፕረዚደንት ሺ፡ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝምድና ክልቲኣን ሃገራት፡ ምትሕባብር ክልተ ወገናት ናብ ዝለዓለ መልክዑ ክቕጽል ምዃኑ እቶም ቻይናዊ መራሒ ሓቢሮም።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብወገኖም፡ ዝምድና ቻይናን ኤርትራን ካብ 1993 ደኣ ብወግዒ ይጀምር እምበር፡ ዳርጋ ን60 ዓመት ዝቐጸለ ምዃኑ ጠቒሶም።

ኣብቲ ክልተኣዊ ርክብ፡ መራሒ ቻይና፡ ሃገሮም ኣብ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ በበይኑ ልምዕታዊ ወፍርታት ከም ትሕተ-ቅርጺ፡ ሕርሻ፡ ዕደና፡ ሃብቲ ዓሳን መራኸቢታትን ብዝሓየለ ክትቅጽሎ ምዃና ሓቢሮም። ምስ ኤርትራ ዝህሉዎም ርክብ፡ ኣብ መቓን እቲ ዓቢ ማዕረ ጽምጾ ቻይናን መሻርኽቲ ሃገራትን ዝምስረት ምዃኑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ሺ፡ ንኤርትራ ዞባዊ ሰላም ኣብ ምውሓስ ብዓቢ ከም ዝጥምቱዋ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG