ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ቻይና ይራኸብ


ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብመሰረት ፕረዚደንት ቻይና ሺ ዢንፒንግ ዝገበረሉ ዕድመ፡ ትማሊ ሰንበት በይጂንግ ኣትዩ፡ ሎሚ ድማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ሊ ኲንግ ተራኺቡ። መገሻ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ዝምድና ቻይናን ኤርትራን ንምጽንባልን ንርክብ ክልቲኣን ሃገራት ምስ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ንምዝርራብን ምዃኑ ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ'ሎ።

ክልቲኣን ሃገራት ጥቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን ዘመልከተ ሮይተርስ፡ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሱዳን፡ ቀዳሞት ካብ ሱዳን ዝወጽኡ ዜጋታት ቻይና ብመገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ምውጻኦምን ኤርትራ ኣብ 2021 ንቕናት ተበግሶ ጽርግያ ቻይና ምጽንባራን ጠቒሱ።

ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሰኑይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊ ኲንግ ተራኺቦም ኣብ ዝምድና ክልተ ሃገራት ዘትዮም ኣለዉ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪን መትረብ ስውጽን ሰፊሕ ተገዳስነትን ስትራቴጂካዊ ረብሓ ዘለዋን ቻይና፡ ኤርትራ ኣብ ወሳኒ ቦታ ከም እትርከብ መጠን፡ ምስ ቻይና ዘተኣሳስር ሓያሎ ረብሓታት ከም ዘሎ ሮይተርስ ይጠቕስ።

ኣብቲ ርክብ፡ “እታ ካብ ብዙሕ ተገሊላ ዘላ ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ካብ ቻይና ብዙሕ ክትርባሕን ኣብ ጽምዶኣዊ ርክብ ብማዕረ ክትሳተፍን ዓቢ ዕድል ኣለዋ፡” ክብል ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንቀዳማይ ሚንስተር ቻይና ገሊጹ።

ፕረዚደንት ሺ ዢንፒንግ ብምኽንያት ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ክብሪ እንግዶት ንምግባር መደብ ተታሒዙ ከም ዘሎ ሮይተርስ ኣመልኪቱ'ሎ።

XS
SM
MD
LG