ኣብ`ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ብናይጀርያውያን ብኢትዮጵያውያን ብሶማሊያውያን ከምኡ ብፓኪስታናውያንን ካልኦትን ዝውነኑ ኣብያተ-ንግዲ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትታት ኣብ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ደወል ደዊሉ`ሎ፡ ካብ መንግስቲ ግን ብዙሕ ትኹረት ኣይረኸበን ፖሊስ`ውን ዝኣሰሮ የለን ።
ኣብ ከተማ ፕሪቶርያ-ድሕሪ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ብወጻእተኛታት ዝውነኑ ድኳናት ውጥረት ልዒሉ`ሎ ። ገለ ነበርቲ ፕሪቶርያ ዝመጽእ ዓርቢ ኣንጻር`ቶም ስደተኛታት ናይ ተቓውሞ ሰልፊ`ውን ክገብሩ መዲቦም ኣለው።
ናይ ለንቅነ መጥቃዕትታት ነቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተፈጸመ ዘዘኻኽር`ዩ። ትማሊ ሶሉስ ኣስታት 20 ድኳናት ከምዝተዘምተን ከምዝነደደን ተፈሊጡ`ሎ ፖሊስ-ዘይደቂ ዓዲ ከምዝተጠቕዑን ከምዝተፈራርሑን`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።
ኢትዮጵያዊ ኣለማየሁ ሰንበታ፡ ኣባል ሓበሻ ኮሚኒቲ ዝተባህለ ብኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ዝቖመ ማሕበር`ዩ።
ንሱ ነቲ `ስደተኛታት ስራሕና ትወስዱልና ኣለኹም፡ ኤኮኖሚና ተዳኽምዎ ኣለኹም` ዝብል ስምዕታ ገለ ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃ ጌጋ `ዩ ይብሎ።
“ንሕና ካብ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ስራሕ ኣይመንጠልናን። እንታይ ደኣ ኣብ`ዚ ዘሎ ህዝብና ባዕሉ ስራሕ ፈጢሩ ከምዝንቀሳቐስ ኢና ጌርና። ንሕና ሰብ ኣብዘይኣትዎ ኣቲና ንህይወትና`ውን ኣብ ስግኣት ኣእቲና ስራሕ ፈጢርና ንንብስና ንሕግዝ ዘለና ኢና። ካብ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ንወስዶ ስራሕ የለን።”
ኣብ ትካል ተማጓቲ ሰብኣዊ መሰላት ሁማን ራይትስ ዎች ዝሰርሕ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መሰልማመቲዊ ሰበይ ግን እቲ ጎንጺ ኪነው ዶብ`ታ ሃገር ዝኸይድ`ዩ ይብል። ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ዘሎ ለውጢ ብፍላይ ምስ ምምጻእ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዘይደቂዓዲ ዘሎ ጠመተ እናጎልሐ ስለዝመጸ`ውን`ዩ ይብል።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።