ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕ/ሃ ኣብ ወርሒ ሕዳር ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም 8 ቢልዮን ከምዝበጽሕ ይሕብር


ሕቡራት ሃገራት ብዝሒ ህዝቢ ዓለም፣ ዝመጽእ ሕዳር ሸሞንተ ቢልዮን ከምዝበጽሕ፣ ኣብ 2050 ድማ ናብ 8.5 ቢልዮን፣ ኣብ 2080 ድማ 10 ቢልዮን ከምዝበጽሕ እዚ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ቁጠባዊን ከባቢያዊን ጽልዋታት ከምዘሕድርን ገሊጹ።

ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ኩሎም ዞባታት ምዕሩይ ከምዘይኾነ፣ ገለ ሃገራት ዞባታት ምብራቃዊን ደቡብ ምብራቅን ኤስያ፣ ብዝሒ ህዝበን ከምዝንክይ፣ ብኣንጻሩ ሃገራት ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ግና ብዝሒ ህዝበን ከምዝውስኽ እቲ ሪፖርት ይሕብር።

ህዝቢ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ግብጺ፣ ኢትዮጵያን ናይጀርያን፣ ከምኡ’ውን ህንዲ፣ ፓኪንስታን፣ ፊሊፒንስን ታንዛንያን’ውን ክውስኽ ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብብዝሒ ህዝቢ ቐዳማይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ ቻይና'ያ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግና፣ ህንዲ ንቻይና ቀዲማ ከምትስራዕ መጽናዕቲ ሕ/ሃ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG