ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕብየት ቁጠባ ዓለም ኣብ ዓመተ 2024 ክጎድል ምዃኑ ሰብ-ሞያ ሕ/ሃ ይትንበዩ


ዕብየት ቁጠባ ዓለም ኣብ ዓመተ 2024 ክጎድል ምዃኑ ሰብ-ሞያ ሕ/ሃ ይትንበዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:16 0:00

ዕብየት ቁጠባ ዓለም ኣብ ዓመተ 2024 ክጎድል ምዃኑ ሰብ-ሞያ ሕ/ሃ ይትንበዩ

ዕብየት ቁጠባ ዓለም ኣብ 2024 ካብ 2.7 ሚእታዊት ናብ 2.4 ሚእታዊት ክጎድል ምዃኑ፡ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝነበረ 3 ሚእታዊት ኣዝዩ ዝጎደለ ምዃኑ ትንበያ ኩነታት ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣመልኪቱ`ሎ።

ንኩነታት ዕብየት ቁጠባ ዓለም ዝግምግም ሪፖርት ትማሊ ሓሙስ 4 ት ጥሪ 2024 ኣብ ዝወጻሉ እዋን፡ ዳይሬክተር ክፍሊ ፖሊሲን መጽናዕትን ቁጠባ ሓንታኑ ሙከርጂን ሓላፊ ምቁጽጻር ፖሊሲ ቁጠባን ሓሚድ ራሺድን ኣብ ኒውዮርክ ንሪፖርተራት መብርሂ ሂቦም ኔሮም።

ሓንታኑ ሙክርጂ ኣብ 2023 ዝነበረ ዕብየት ካብቲ ንጽበዮ ዝነበርና 2.3 ሚእታዊት ናብ 2.7 ሚእታዊት እንተዓበየ`ኳ፡ ኣብ 2024 ግን ናብ 2.4 ሚእታዊት ከም ዝወርድ ኢና ንጽበ ይብል። ብሓፈሽኡ ግን ዓለም ናብቲ ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝነበረቶ እንተወሓደ 3 ሚእታዊ ዕብየት ክትምለስ እያ ትቃለስ ዘላ ዝብል ተንታኒ ቁጠባ ዓለም ሓንታኑ ሙክርጂ፡ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2015 ኣብ ዘሎ ግዜ ብዘላቒ ሸቶታት ዕብየት ተተንብዩ ዝነበረ ናይ 7 ሚእታዊ ናይ ዕብየት ዕላማ ግን ክህረም ኣይክኣለን ኢሉ። እንተወሓደ ግን እተን ገና ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ቁሩብ ዕብየት ከርእያ ምኽኣለን ዘተባብዕ ምዃኑ ሓንታኑ ይጠቅስ።

“ኣብ 2024 ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርአ ዝቕባበ ብማእከላይ ግምት 3.9 ሚእታዊት ክኸውን ይግመት። እዚ ካብቲ ኣብ 2013 ዝነበረ ቅሩብ ዝሓሸ`ዩ። ካብቲ ኣብ 2022 ዝነበረ ዝቕባበ ግን ኣዐርዩ ዝሓሸ`ዩ። ምኽንያቱ ኣብ 2022 ዝቕባበ 8.1 ሚእታዊት`ዩ በጺሑ ኔሩ።”

እቶም ክኢላታት ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት እዚ ዳሕራዋይ ትንበያ ዝስማዕ ዘሎ፡ ዓለም ዕርገት ግጭታት ኣብ ትርእየሉ ዘላ እዋን፡ ከምኡ`ውን ዝሕቱል ዓለማዊ ንግዲን ክሊማዊ ቅልውላዋትን፡ ብተወሳኺ ድማ ልዑል ወለድ ለቓሕን ትሑት ወፍርን ኣብ ዝተራእየሉ እዋን`ዩ ይብሉ።

“ኣብ ምምዕባል ካብ መንጎ ዝርከባ ሃገራት ዓለም፡ እተን ርብዒ ዝኾና፡ ኣብ 2024 ልዕሊ 10 ሚእታዊት ዝቕባበ ከጋጥመን`ዩ ዝብል ትንበያ ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ንዓቕሚ ዕድጊት ደቂ-ሰባት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ማእከላይ እቶት ዘለዉ ክጎድኦም ምዃኑ`ዩ። ነቶም ኣብ ድኽነትን ጥምየትን ዘለዉ ብፍላይ ከጋጥሞም ዝኽእል ነገር ዘሻቕል ምዃኑ ዘዘራርብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዋጋ መግቢ ኣዝዩ ክንህር ስለዝኽእል። እዚ ድማ ነቲ ዘቤታውን ዓለማዊን ምህርቲ`ውን ከዳኽሞ ይኽእል`ዩ ። ”

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ካብዚ ዓዘቕቲ እዚ ክንወጽእ ኣለና ይብል። ዓቢይ ወፍሪ ብምግባር ነቲ ዘላቒ ዕብየትን ንክሊማ ዝምልከት ትግባረን ከነቕጽሎ ኢና ዝበለ ጉተረዝ፡ እቲ ንዓመት ብውሕዱ 500 ቢልየን ዶላር ወፍሪ ንግበር ዝብል ዕላማ በቲ ዝጀመርናዮ ኣበርቲዕና ክንቅጽሎ ኣለና ኢሉ።

ኣብ ዝማዕበለ ሃገራት ዝርአ ዘሎ ዝሕታለ ዕብየት`ውን ዘሰክፍ ምዃኑ ዝገልጹ ተነበይቲ ዕብየት ቁጠባ ዓለም፡ ብፍላይ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ልዑል ወለድ ለቓሕን ዝሑል ሸመታ ዓማዊልን ከምኡ`ውን ምስ ድኽም ዝበለ ዕድላት ስራሕ፡ ኣብ 2024 እቲ ቁጠባ ከም ዝጎድል ይገልጹ። ኣብተን ንሓጺር ግዜ ዕብየት ዘርኣያ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ኤስያ: ምዕራብ ኤስያ: ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ዝርከባ ሃገራት'ውን ብሰንኪ ዝርአ ዘሎ ጽኑዕ ፋይናንሳዊ ማሕለኻታትን ኣብ ባጀት ዝርአ ጸቕጢ ለቓሕን ዕብየተን ክድረት ከም ዝኽእል`ዩ እቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ሪፖርት የመልክት።ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት “ልዕሊ 50 ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ልዕሊ 10 ሚእታዊት ካብ ኣታዊታተን ኣብ ምኽፋል ለቓሕ የውዕልኦ፡ 25 ዝኾና ሃገራት ድማ 20 ሚእታዊት ካብ ባጀተን ኣብ ምኽፋል ዕዳ፡እዚ ድማ ሃገራት ነቲ ዘለወን ውሱን ገንዘብ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን`ኳ ከይውዕልኦ ይጽገማ ኣለዋ” ይብል።

ሓሚድ ራሺድ፡ ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ መጽናዕትን ቁጽጽርን ፖሊሲ ሓላፊ`ዩ። ስሙር ዝኾነ ዓለምለኻዊ ምትሕብባር ክህልወና ይግባእ ይብል፡“ሓያል ዝኾነ ዓለማዊ ምትሕብባር የድለየና። ኣገባባት ውድብ ንግዲ ዓለም ዝተጸንበሮ ውህደት ክህልወና ኣለዎ። ብዘይ ዓለማዊ ምትሕብባር ንዓለማዊ ንግዲ ክነተንስኦ ኣይንኽእል ኢና።ዓለማዊ ንግዲ ቁልቁል ክወርድ ጸኒሑ`ሎ። እንተዘይኮነ ነቲ ንሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ክነዐውቶ ኣይንኽእል ኢና።”

ኣብ ኣዝዩ መስቀለኛ መንገዲ ኢና ዘለና ዝብል ሓሚድ ራሺድ፡ ንሓደጋታት ዕዳጋን ክሊማዊ ለውጥን ኣብ ምቅላስ ዓቕምታትና ኣወሃሂድና ብዘቤታዊን ኣህጉራውን መዳይ እንተዘይተሓባቢርና፡ ነቲ ተሊምናዮ ዘለና ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ክንበጽሖ ኣይንኽእል ኢና ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG