ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣርባዕተ ጋንታታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ በፂሔን


Photo from the Fifa World Cup
Photo from the Fifa World Cup

ግጥማት ፅዋዕ ዓለም 2014 ብራዚል ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ኣስታት ሰለስተ ሰሙን ንጋንታታት ካብ ሰላሳን ክልተን ናብ ኣርባዕተ ኣፃፊፉወን፣ብዙሕ ንብዓትን ስምዒታትን ኣፍሲሱን ኣለዓዒሉን ይቅፅል‘ሎ።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ናብ ፍርቂ ፍፃመ ዝበፅሓ ኣርባዕተ ጋንታታት ክልተ ካብ ኣህጉረ ደቡብ ኣሜሪካ ክልተ ካብ ኣህጉረ ኣውሮዻ ኮይነን‘ለዋ።

እቲ ዘግርም ድማ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ሓንቲ ካብ ላቲን ኣሜሪካ ሓንቲ ካብ ኣውሮዻ መፃምዲ ኮይነን‘የን ዝጣፋኣ ኣብ ኣውዲቅካ ምሕላፍ። ኣርጀንቲና ኣንፃር ብራዚል፣ሆላንድ ኣንፃር ኣርጀንቲና።

ብራዚል ናብ‘ዚ ብርኪ ዝበቅዐት ንጋንታ ኮሎምብያ ክልተ ንሓደ፣ጀርመን ንጋንታ ፈረንሳ ሓደ ንዜሮ፣ኣርጀንቲና ንቤልጅየም ሓደ ንዜሮ፣ሆላንድ ንኮስታሪካ ብፍፁም ቅላዕ መቅፃዕቲ ኣርባዕተ ንሰለስተ ድሕሪ ምስዓረን‘ዩ።

ብመሰረት‘ዚ ፅባሕ ሰሉስ ብራዚል ምስ ጀርመን፣ረቡዕ ኣርጀንቲና ምስ ሆላንድ መን ናብ ፅዋዕ ዓተረ ትሓልፍ ጋንታ ንምንፃር ክጋጠማ‘የ። ዝተዓወታ ናብ ፅዋዕ መን ዓተረ፣ዝተሳዓራ ሜዳልያ ነሓሲ መን ወሰደ ክፃወታ‘የን።ናይ ሎም-ዘበን ግጥም ፅዋዕ ዓለም‘ውን ይዛዘም።

ብተመሳሳሊ ዜና ፅዋዕ ዓለም፣ኣብ ግጥማታ ኣዕጋቢ ውፅኢትን ምንቅስቃስን ኣየመዝገበትን ተባሂላ ብናይጀርያውያን ዝተነቀፈት ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ናብ ሃገራ ድሕሪ ምምላሳ ኣብ ሞንጎ ፊፋን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ናይጀርያን ሓያል ምስሕሓብ ተፈጢሩ‘ሎ።

ብመሰረት‘ዚ፣መንግስቲ ናይጀርያ ንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ናይጀርያ ከፍርሶ‘የ ክብል ከሎ፣ፊፋ ግና ከይትትክፍዎ፣ተዘየለ ክእግደኩም‘የ ኢሉ ከምዘጠንቀቀ ዝዝከር‘ዩ።

ናይጀርያ ግና ንመጠንቀቂ ፊፋ ዕሽሽ ኢላ ንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪሳ ብካልእ ኣባላት ተኪኣቶ‘ላ።ፊፋ ክሳብ ፅባሕ ሰሉስ ዝተኣገዱ ኣባላት‘ቲ ፈደረሽን ምለስዎም፣ተዘየለ ጋንታ ናይጀርያ ካብ ኣህጉራዊን ዓለም-ለኻዊን ግጥማት ክእግደኩም‘የ ዝብል መጠንቀቂ ኣሕሊፉ‘ሎ።

መን ይንብርከኽ? ናይጀርያ‘ዶ ፊፋ? ኣብ ቅድሜና ንረኽቦ።

ናብ ካልእ ዜና ንስገር፣ዓላሚ ጋንታ ኣልጀርያ ቫሊድ ሃሊሎድች፣ናይ‘ታ ሃገር ፕረዚደንት በጃኻ ንደልየካ ኢና ፅንሐልና ዝብል ጠለብ ዋላ‘ውን እንተቀረበሉ፣ኣይፋለይን ኢሉ ስርሑ ኣረኪቡ።

ቦስንያዊ ኣሰልጣኒ ነታ ጋንታ ናብ ካልኣይ ዙር ንክትበፅሕን ዝናኣድ ምንቅስቃስን ውፅኢትን ንክተርእይን ዝሓገዘ ምኳኑ ዝዝከር‘ዩ።ኣብ መጨረስትኡ ብጋና ክልተ ንሓደ ተሳዒራ ወፂኣ‘ያ።

ንምዝዛም፣ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ግጥማት ፍርቂ ፍፃመ፣ቀዳም ንሜዳልያ ነሓሲ፣ሰንበት ግጥም ፅዋዕ መን ዓተረ ምኳኑ ኣይትረስዑ።ስፖርታዊ ዜና ተፈፂሙ።

XS
SM
MD
LG