ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንጥፈታት ማሕበር ተስፋ ህይወት ኤችኣይቪ ፖዘቲቭ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ


ወ/ሮ ታደሉን መሓዙተንን
ወ/ሮ ታደሉን መሓዙተንን

ኣብ ትግራይ ብ1999 ዓ.ም ብ15 ኣባለት ዝተጣየሸት ማሕበር እያ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዝሒ ኣባላት ማሕበር 1,350 በፂሑ'ሎ።

ሓንቲ ኣባል መስራቲት’ቲ ማሕበር ወይዘሮ ታደሉ በላይ ይበሃላ፤ ንሰን ሓንቲ ካብተን ኣብ ትግራይ ገዛ ንገዛ ብምኻድ ብሰናይ ፍቓደን ንሕሙማት ዝናብያ 219 ደቂ-ኣንስትዮ እውን እየን።

ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ፣ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ፣ ጥምረት ኤች ኣይቪ ፖዘቲቭን ኦሳን ነታ ማሕበር ብቐረባ ከምዝከታተልዋን ዓቕሚ ዝፈቐዶ ሓገዝ ከምዝገብሩላን ወይዘሮ ታደሉ ገሊፀን።

ኣባላት እታ ማሕበር ወርሓዊ 6 ሽሕ ቅርሺ ክራይ ምኽፋል ከምዝኸበድንን ከምዘማርረንን ወይዘሮ ታደሉ ገሊፀን መንግስቲ ንቤት ጽሕፈት ዝኸውን ቦታ ክህበን ይምሕፀና።

ኣቶ ግርማይ በርሀ ልዕሊ 60 ሽሕ ቅርሺ ብምውፋይ ንዝገበረለን ሓገዝ ንመሰልጠኒ ኣባላት እታ ማሕበርን ንልቓሕን ከምዘውዐለኦን እዚ ድማ ዓብዪ ሓገዝ ምዃኑን እተን ኣባል እታ ማሕበር ተዛሪበን።

ኣብ ዝሓለፈ በዓል ኣሸንዳ ን20 ደቀንስትዮ ባህላዊ ክዳን ከዲኑ ኣሸንዳ ክብላን ንካልኦት ኣብነት ክኾናን ንዝሓገዘን ከያኒ ኪሮስ ሃይለስላሴ ኣመስጊነን ኣምባሳደር ማሕበርን ክኸውን ሓርየነኦ እየን።

ወይዘሮ ታደሉ በላይ ዝርግሐ ቫይረስ ኤች ኣይ ቪ ኣብ ትግራይ ይግታእ ኣሎ መንእሰያት ጥንቃቐ ይገብሩ ኣለዉ ዝብል እምነት ከምዘይብለንን፤ ነቲ ሕማም ካብ መንግስቲ ኣትሒዙ ዝወሃብ ዘሎ ጠመተ ትሑት እዩ ዝብል ውልቀዊ እምነተን ምዃኑ ይግልፃ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንጥፈታት ማሕበር ተስፋ ህይወት ኤችኣይቪ ፖዘቲቭ ደቂ-ኣንስትዮ ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:50 0:00

XS
SM
MD
LG