ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዳም ዋልድባ ንምድሓን ብዝብል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክካይድ ውዒሉ


ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣመንቲ ምስልምና እውን ምርካቦ ተፈሊጡ’ሎ

ኢትዮጵያዊያንን ትውልዲ ኢትዮጵያ ኣሜሪካዊያንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ገዳም ዋልድባ ይፍፅሞ ኣሎ ዝበልዎ በደል ብምቅዋም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስን ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም።

እቲ ገዳም ዋልድባ ንምድሓን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞል ሰልፊ ካብ ከብባኢ ዋሽንገተን ዲሲን ካልኦት ክፍለ ግዝኣት ዩናይትድ ስቴትስን ዝመፁ ምእመናን ካልኦትን ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰባት ምስታፎም ዋልድባ ምድሓን ናይ ዝተብሃለ ዓለምለኸ ኮሚቴ ጨንፈር ዋሽንግተን ዲሲ ኣተሓባብባሪ ኣቶ ሳምሶን ታፈሰ ገሊፆም።እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ምሉእ ዓለም ይከይድ ከምዝወዓለ እውን እቶም ኣተሓባባሪ ገሊፆም።

ሕቶታቶም ናብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ከምዘቕረቡ ዝገለፁ ኣቶ ሳምሶን ተቓውምኦም ከምዝቕፅል ይዛረቡ።

ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣመንቲ ምስልምና እውን ምርካቦ ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG