ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትሮፒካዊ ህቦቡላ /ሀረኬን/ ኣትላንቲክ ኣብ በረኽቲ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝፍጠሩ ሊቃውንቲ ይገልፁ (2ይኽፋል)


ኣብዚ ዓመት እዚ ሰለስተ ኣዕነውቲ ዝናብ ሓዘል ህቦብላታት ሀረኬይናት ኣብ ደሴታት ካሪቢያንን ኣሜሪካን ከቢድ ዕንወት ኣውሪዶምን ኣብ ምውራድ ይርከቡን።ሀረኬን ሃርቪን ኢርማን ዘውረድዎ ጥፍኣት ንታሪኽ ብምግዳፍ ማሪያ ዝተብሃለ ኣዕናዊ ሀርኬይን ምዓት እናውረደ ይርከብ።

ሊቃውንቲ ወይ ሳንትስታት ኩነታት ኣየር ዶ/ር በላይ ብርሃነ ደመወዝን ዶ/ር ፍስሃ ገብረማሪያም ብርሃነን ትሮፒካዊ ህቦቡላ መብዛሕቲኡ ካብ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ካብ በረኽቲ ከባቢታት ኢትዮጵያ ካምዝልዓሉ ይግለፁ።

ብዛዕባ ኣወፃፅኣ ኣሽማት ትሮፖካዊ ህቦብላታትን ምስ ለውጢ ኩነታት ኣየር ክህልዎም ዝኽእል ርክብን እውን ሪኢቱኦም ሂቦም ኣለው።

ዶ/ር በላይ ብርሃነ ደመወዝ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሜሪላንድ ባልቲሞር ካውንቲ /UNBC/ ናይ ፊዚክስ ፕሮፌሰርን ዶ/ር ፍስሃ ገብረማሪያም ብርሃነ CGI ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ International Consultants in Management and Information Technology ናይ ሓበሬታ/ዳታ ሳንቲስት እዮም።ክልቲኦም ብናይ Atmospheric Physics ናይ ዶክትሬት ትምህርቲ ዘፅንዑ እዮም።

ንዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:12:06 0:00

XS
SM
MD
LG