ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትሮፒካዊ ህቦቡላ /ሀረኬን/ ኣትላንቲክ ኣብ በረኽቲ ከባቢታት ኢትዮጵያ ከምዝፍጠሩ ሊቃውንቲ ይገልፁ (1ይኽፋል)


ኣብ ኣትላንቲክ ውቅያኖም፣ደሴታት ካሪቢያን ኣሜሪካን ንዘመናት ዕንወት እናውረደ ኣብዚ ዓመት እዚ ብፍላይ ዝናብ ሓዘል ህቦብላዊ ንፋስ ሀረኬናት ሃርቪን ኢርማን ኣብ ደሴታት ካሪቢያንን ኣሜሪካንን ማእለያ ዘይብሉ ዕንወታት ኣውሪዱ፤ብዙሕ ህወይት ሰባት እውን ኣጥፊኡ።

እዚ ብመጠን ናይቲ ንፋስ ፀቕጥን ቕልጣፈን ካብ ሓደ ክሳብ ሓሙሽተ ደረጃታት/Categories ዝውሃቦ ትሮፒካዊ ስቶርም ካብ በረኽቲ ከባቢታ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ከምዝልዓል ሊቃውንቲ ከባቢያዊ ኩነታት ኣየር /Atmospheric scientists/ ዶ/ር በላይ ብርሃነ ደመወዝን ዶ/ር ፍስሃ ገብረማሪያም ብርሃነን ይገልፁ።

ዶ/ር በላይ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሜሪላንድ ባልቲሞር ካውንቲ/UNBC/ናይ ፊሲክስስ ፕሮፌሰር እዩ።ኣብ መንጎ UMBCን ናይ NASA Goder Space Flight Centerን ዘተሓባብር ማእኸል ሓባራዊ ቴክኖሎጂ ስርዓተ መሬት/Joint Center for Earth System Technology/ዳይረክተር እውን እዩ።

ዶ/ር ፍስሃ ገብረማሪያም ብርሃነ ብ Atmospheric physics. ናይ ዶክትሬት ድግሪ ዘፅንዐ ኣብዚ ሕዚ እዋን CGI ተባሂሉ ኣብ ፅዋዕ International Consultants in Management and Information Technology ናይ ዳታ ወይ መረዳእታ ሳይንቲስት እዩ።ቅድም ክብል እውን ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ምምሕዳር ምግብን መድሓኒትን ናይ ዳታ ሳይንቲስ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።ኣብዚ ኣብ ቬርጂንያ ይነብር።

ትሮፒካዊ ንፋስ ሓዘል ህቦቡላታትን ሀረኬይንን ኣበይ፣ከመይን መዓስን ከምዝፍጠሩ ምስ ኣወፃፅኣ ኣሽማት መብርህን ትንታነን ይህቡ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:49 0:00

XS
SM
MD
LG