ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ሕቶ መንነት ወልቃይት ጸገዴ' ሕቶ ውልቀ-ሰባት'ምበር ሕቶ ህዝቢ ኣይኮነን - ኣቶ ሰረበ ዳልጤ


‘ሕቶ መንነት ኣብ ወልቃይትን ፀገዴን ኣለና’ ዝብሉ ወገናት መበገሲኦም ውልቀ ቅሬታ’ዩ፣ ምስ ስምዒት ምስ ዘይተገብረልና፣ ምስ ናይ መርየት ሕቶ ዝተታሓሓዘ’ምበር ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣይኮነን’ ይብል ነባራይ ዓዲ ረመፅ ወልቃይት ኣቶ ሰረበ ዳርጤ።

ምስ ቪኦኤ ኣገልግሎት ትግርኛ ቃለ መጠይቅ ዘካየደ ኣቶ ሰረበ ‘ኣብ ወልቃይት ፀገዴ ብዛይካ ብስራሕን ዝኣምሰሉን መደባት ዝመጹ ሒደት ሰባት ኣምሓርኛ ዝዛረብ ሰብ የብልናን’ ይብል።

እቲ መዘራረቢ ኮይኑ ዘሎ ‘ሕቶ መንነት’ ሕጋዊን ሰላማዊን መዕለቢ ንክግበረሉ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብል? ንዝብል ዝቀረበሉ ሕቶ ‘ሕቶ ህዝቢ እንተኾይኑ፣ በቢደረጅኡ ኣብያተ-ምኽሪታት ኣለው ናብ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ክበፅሕ ምኻኣለ። እዚ ኣነ ይፈልጠልካ’የ ኢልካ ካብ ደገ ኮይንካ፣ ኣነ ክመርሓካ’የ፣ ኣነ ይፈልጠልካ’የ ወይ ኣነ ዝበልኩኻ ስማዕ ዝብል ዘረባ፣ ብሕጊ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ’ ዝብል መልሲ ይህብ።

ኣብ ልዕሊ ‘ሕቶ መንነት’ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ፣ናይ ክልቲኡ ወገን ሪኢቶ ኣቅሪብናልኩም ኣለና። ዝተርፈና ታሪኻዊ መኣዝኑ’ዩ። ህዝቢ ወልቃይት ናብ ጎንደርን ትግራይን እናተካለለ ዝመፀ ስለምንታይ’ዩ? ኣብ ሕሉፍ መዋእል እንታይ ተፈፀመ? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ክትንቱ፣ ንሙሁር ታሪኽን ንወልቃይት ፀገዴ ኣብ ሓደ እዋን ዝረገፁን ዶ/ር ገላዴዎስ ኣርኣያ ኣብ ቀፃሊ መደባትና ክነቅርቦም ኢና።

please wait

No media source currently available

0:00 0:10:35 0:00

XS
SM
MD
LG