ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንወልቃይት ጸገዴ ዝምልከት ሪፖርት


ወልቃይት ጸገዴ ናይ መን’ዩ? ህዝቢ ዘበገሶ ሕቶ መንነት ኣሎ’ዶ? ትኹረት ናይ ሎሚ ፍሉይ መደብና ኮይኑ’ሎ። ራእሲ መንገሻ ስዩም ‘ነዚ ሕቶ’ዚ መንግስቲ መሊስዎ’ዩ’ ክብሉ ከለው፣ ሓደ ነባራይ’ቲ ከባቢ ግና ‘ኣነ ኣምሓራይ’የ’ ይብል።

ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ ዝተካየደ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ዝተሳተፉ ድማ ‘ሕቶ መንነት ተመሊሱ'ዩ፣ ሎሚ ሕቶና - ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን’ዩ’ ይብሉ።

ካብ 1952 – 1966 ዓ/ም ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ (1960 - 1975 ብኣውሮጳ) ኣማሓዳሪ ትግራይ ዝነበሩ ልዑል ራእሲ መንገሻ ስዮም’ውን ጋሻና’ዮም። ኣብ ወልቃይት ፀገዴ ተጋሩ ኣይኮናን ኣምሓሩ ኢና፣ ናብ ክልል ኣምሓራ ክንካለል ኢና ንደሊ ዝብሉ ሰባት ከምዘለው ምስሰምዑ እንታይ በሉ? ንዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ‘መንግስቲ መልሲ ሂቡሉ’ዩ። ኣነ ዘማሓድራ ዝነበረት ትግራይ ንመሬት ዓፋር’ውን ዘጠቃለለት’ያ ነይራ፣ ሎሚ ግና ኣብ 9 ክልላት ዝተመስረተ ፌደራላዊ ስርዓት’ዩ ዘሎ ስለዚ ርእይቶ ዝህበሉ ኣይኮነን’ ኢሎም ራእሲ መንገሻ።

ንዝምልከቶም ነበርቲ ወልቃይት ፀገዴ ረኺብና ክነዘራርብ ኣይካኣልና። እንተኾነ ኣብ’ቲ ዞባ ኣብ’ዚ ቀረባ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ህዝባዊ ኮንፈረንስ ኣብ ዝተካየደሉ እዋን ካብ ዝተቃልሑን ብቴለቭዥን ትግራይ ካብ ዝተፈነውን ገለ ርእይቶታት ‘ሕቶ መንነት የብልናን። ሕቶና - ሕቶ ልምዓትን ሰናይ ምሕደራን’ዩ። ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ዘለው ተወለድቲ’ዚ ከባቢ ኢና ዝብሉ ኣለው እንተኾይኖም፣ ኣብ ክንዲ ዘየለ ሕቶ መንነት ዘበግሱ ንመሰረተ ልምዓት’ዚ ከባቢ ኣብ ምምሕያሽ እንተዘሕግዙና’ዩ ተመራፃይ ዝኸውን’ ኢሎም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ንወልቃይት ጸገዴ ዝምልከት ሪፖርት
please wait

No media source currently available

0:00 0:15:54 0:00

XS
SM
MD
LG