ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናውቲ ሕክምና ብናጻ ዘዐርዩ ሮማንያዊ ገባሪ ሰናይ


ፓውሊዩክ ዩወን
ፓውሊዩክ ዩወን
ፓውሊዩክ ዩዋን ዝባሃሉ ወዲ ሮማንያ ባዓል ሞያ ምህንድስና ጥዕና ስነ ህይወት ኣብ ትግራይ ምስራሕ ዝኣበዩ ናውቲ ሕክምና የዕርዩ ኣለዉ፡፡ኣጠቓቕማ እቶም ናውቲ ብዝምልከት እውን ንሰብ ሞያ ስልጠና ይህቡ፡፡

ዓሚ ሕዳር ናብ ትግራይ መጽዮም ናጻ ግልጋሎት እንትህቡ ኣካላዊ መጉዳእቲ በጺሑዎም፡፡ ኣብ ላዕለዋይ ሕክምና ዓይደር ካብ ጀርመን ብሓገዝ ዝተረኸቡ ኣቑሑት መልዐሊ ራጂ እንትጽግኑ ኣርባዕተ ኣጻብዕቲ ጸጋመይቲ ኢዶም ተኸምኪመን ተቖሪጸን፡፡

ፓውል ዩዋን ናብ ጀርመን ከይዶም ታሓኪሞም ዘይወዳእኹ ዋኒን ኣለኒ ኢሎም ተመሊሶም ናብ ትግራይ ብምምጻእ ዛጊድ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ግልጋሎት ሂቦም ኣለዉ፡፡ ኣብ መላእ ከባቢታት ገጠር ትግራይ ወፊሮም ዘገልግሉ ዘለዉ ፓውል ዩዋን ምስ ኢትዮጵያውያን መሳርሕቶም ጽቡቕ ጊዜ የሕልፉ ምህላዎም ይገልጹ፡፡

ናብ ኢትዮጵያ መጺኦም ንምስራሕ ዝሓረዩሉ ምኽንያት እንትገልጹ ንሓደ ጀርመናዊ ማሓዛኦም ይዝክሩ፡፡ “ናብ ኣፍሪካ ከይደ ግልጋሎት ክህብ እንትሓስብ ኣብ ኢትዮጵያ ን15 ዓማውቲ ዝሰረሐ ዲተር ካስለር ዝባሃል ጀርመናዊ ማሃንዲስ ረኺበዮ ናብ ኢትዮጵያ ከይደ ተዝሰርሕ ዝሐሸ ምዃኑ ኣማኺሩኒ ብኡ መሰረት ናብዚ መጺአ” ይብሉ፡፡

ፓውል ዩዋን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ማእኸል መሰልጠኒ ሰብ ሞያ ዓረይቲ ናውቲ ሕክምና ንምስልጣን ሓሳብ ኣለዎም፡፡

ንምስምዑ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:39 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG