ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ነፃ ኾይኑ ንኸገልግል ብአዋጅ ብዝተመስረተሉ ሕግን ቻርተርን ዝምራሕ ምኻኑ ገሊፁ


ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ምድላዋቱ ንኽቅይር ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ ኻልእ ወገን ዝበፅሖ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ተፅዕኖ ከምዘየለ አፍሊጡ።

ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ነፃ ኾይኑ ንኸገልግል ብአዋጅ ብዝተመስረተሉ ሕግን ቻርተርን ዝምራሕ ምኻኑ ገሊፁ'ሎ።

ጊዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ስቲቭ ሬዲሽ ሬድዮ ድምፂ አሜሪካ ምድላዋቱ ንኽቅይር ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፅዕንቶ ከምዘይወረዶ'ዮም ገሊፆም።

ሚስተር ስቲቭ ሬዲሽ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ንሰማዕቱ ዝተማለአ ሚዛናዊን ተአማንን ሓበሬታ ዝህብ ዜና ናይ ምዝርጋሕ ሓላፍነት አለዎ ኢሎም።

አብ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓላፊት ክፍሊ ኣፍሪቃ ጉዌን ዲላርድ ብወገነን ስራሕ መሓውራት ዜና ምቹእ ኣብ ዘይኾነለን ከም ኢትዮጵያ ኣብ ዝበላ ከባቢታት ስራሕ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘየወላውል'ዩ ሓላፍነትና አይቅየርን'ዩ ኢለን።

ክልቲኦም ሓለፍቲ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ብዛዕባ ውሽጣዊ አሰራርሓ'ቲ መደበር ሬድዮ ዝምልከት ክስምዑ ንዝፀንሑ ሪኢቶታትን ክልዓሉ ዝቀነዩ ሕቶታትን መልስን መብርህን ሂቦም'ለው።

Recommended

XS
SM
MD
LG