900 ፍልሰተኛታት ሎሚ ብሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ኤውርጳ ናብ ደቡባዊ ኢጣልያ መጺኦም ኣለዉ ኢሉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ሶማል
ስደተኛታት ኣብ ወደብ መሲና (ኢጣልያ)

5
መብዛሕቲኦም ደቂ-ተባዕትዮ`ኳ እንተኾኑ፡ ደቀንስትዮን ቆልዑን`ውን ኣለውዎም።

6
ድሕሪ ሰዓት`ውን ናይ ብሪጣናይ መርከብ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ልዕሊ 650 ፍልሰተኛታት ኣብ ካታንያ ሃርበር ደቡባዊ ኢጣልያ ኣእቲያቶም ኣላ ።

7
እቶም ፍልሰተኛታት ካብ ሊብያ ውጽእ ምስ በሉ ናይ ርድኡና ጻውዒት ናብ ሰበስልጣን ኢጣልያ ከምዘመሓላለፉ፡ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ንቪኦኤ ገሊጾም።

8
ሓንቲ ናይ ኖርወይ መርከብ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ዝኾኑ ብውሕዱ 239 ስድተኛታት ሎሚ ንግሆ ኣብ ወደብ መሲና ከምዘእተወቶም`ውን ተገሊጹ`ሎ።