ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብናይ ኢትዮጵያ ሳታላይት ተለቪዥን(ኢሳት)ን ቪዥን ኢትዮጵያን ዝተዳለወ ጉባኤ ተኻይዱ


እቲ ንራብዓይ ግዜኡ ዝካየድ ዘለዎ ጉባኤ ኣብ`ቲ ኣብ ቀረባ ናብ ኮንግረስ ዝቐረበ H.R 128 ዝተባህለ ረቂቕ-ሕጊ ኣተኩሩ`ዩ ዘትዩ`ሎ። እቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ምምሕዳር ክምስረት ዝጽውዕ`ዩ። ብዛዕባ`ቲ ንድፊ መግለጺ ክህቡ ካብ መንጎ ዝተዓደሙ ሓደ፡ ምስ ናይ ኮሎራዶ ኮንግረስማን ማይክ ኮፍማን ዝሰርሕ ሪያን ክላርክ ሓደ ኔሩ።

“መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዜጋታቱ ምጭቋኑ ቐጺልዎ`ሎ። ኣነ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ንክኽበርን ኩሉ ሓቆፍ መንግስቲ ንኽምስረትን ንዘበራትዕ H.R 128 ረቂቕ-ሕጊ ብሓባር ምድላወይ ኩርዓት ይስምዓኒ።”

እቲ ረቂቕ-ሕጊ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዒላማ ምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ሚንስተር ወጻኢ ኣሜሪካን ዩሴኤኣይዲን፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝውሃብ ረድኤት ብትኽክል ንዝግብኦ ወገን ምብጽሑ ኸረጋግጹን ኣብ`ታ ሃገር ዝሓሸ ዲምክራሲ ንኽመጽእ ክሰርሑን የገንዝብ ኢሉ። ክላርክ ኣተሓሒዙ፡ “ሕቡራት ሃገራት ንኹነታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ`ታ ሃገር ኣትዩ ኸጻሪ ክፍቀደሉ`ውን” እቲ ንድፈ-ሕጊ ባይቶ ኣሜሪካ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ`ሎ።

ብዛዕባ`ዚ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ርእይቶ ኣይተረኽበን።

ምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG