ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ጊሰን ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ሓሊፉ፣ መንግስቲ ጀርመን ንዝተራእየ ጎነጽ ይዅንን


ኣብ በበይኖም ምምሕዳራት ቤት ፍርዲ ጀመርን ነዊሕ ከመላልስ ዝጸንሐ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ጊሰን ብቐዳመ-ሰንበት ድሕሪ ምቅናዑ፡ ካብቶም ንሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ፡ ካብ ተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል ብዝተደርበየሎም ጠራሙዝን ኣእማንን 26 ቆሲሎም።

መንግስቲ ጀርመን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣቢሉ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ናዕቢ ዝፈጠረ ተግባር ኣትሪሩ ኰኒኑዎ ኣሎ። ኣብቲ ኣስታት 80-ሽሕ ህዝቢ ዝነብራ ሰሜን ካብ ፍራንክፈርት ትርከብ ከተማ ጊሰን፡ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ኣስታት ሓደ ሽሕ ሓለዋ ፖሊስ ጀርመን ተዋፊሩ ውዒሉ። ፖሊስ ነቶም ተቓወምቲ ንምክልኻል ዘንብዕ ጋዝ፡ መበተኒ ማይን ደቂቕ ሓለዋ ነፈርቲን ክገብር ምውዓሉ፡ ንምንጭታት ፖሊስ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ'ሎ። ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ፖሊስ፡ ኣስታት 100 ዝበጽሑ ካብቶም ተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል ምእሳሩ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ።

ፖሊስ፡ እቲ ምትፍናን ናብ ምሉእ ጎንጺ ከይልሕም ንምክልኻል ንኸባቢ 50 ኪሎሜተር ዝኸውን ኣከባቢ ኣብ ከቢድ ሓለዋ ከም ዘውዓሉዎ ኣብ ወግዓዊ ገጻቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።

ወሃብ-ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን፡ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ግጭትን ፍልልይን ኤርትራ ካብ መሬት ጀርመን ወጻኢ ክኸውን፡ ንወኪል መንግስቲ ኤርትራ ተነጊሩዎ ኣሎ፡” ክብል ገሊጹ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG