(ዋሽንግተን) ናዕቢን ዘይምርግጋእን ከየመጽእ ብምስጋእ፡ ብቤት ፍርዲ እቲ ከተማ ኣቐዲሙ ተኸልኪሉ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ኣብ ጊሰን፡ ክቕጽል ድሕሪ ምፍቃዱ፡ ትማሊ ቀዳም ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋን ምትፍናንን ከም ዝሓለፈ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ጸብጺቡ።
ኣብቲ ኣብ መንጎ ነቲ ፈስቲቫል ከይካይድ ዝቃወሙን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎም ኣካየድቲንን ንዝተፈጥረ ምትፍናን፡ ከም ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ባእሲ ከይልሕም ንምክልኻል፡ ኣስታት ሓደ ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ጀርመን ተዋፊሮም ምንባሮም ኣሶሽትድ ፕረስ ኣስፊሩ። ወሃብ-ቃል ፖሊስ ፍራንክፈርት ንኣግልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ ከም ዝሓበሮ፡ ካብቶም ንሓለዋ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ፡ ካብ ተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል ብዝተደርበየሎም ጠራሙዝ፡ ኣእማንን ካልእ ነገራትን 26 ቆሲሎም። ዛጊት ብዝሖም ብንጹር ዘይተቐመጠ ዓሰርተታት ካብቶም ተቓወምቲ እቲ ፈስቲቫል ብፖሊስ ምእሳሮም’ውን እቲ ዜና ኣስፊሩ ኣሎ።
ፖሊስ ነቲ ዝነበረ ምትፍናን ናብ ምሉእ እምባጋሮ ከይልሕም ንምክልኻል ሄሊኮፕተራትን ዘንብዕ ጋዝን ዓጢቖም ንኸባቢ 50 ኪሎሜተር ዝኸውን ኣከባቢ ኣብ ከቢድ ሓለዋ ከም ዘውዓሉዎ ኣብ ወግዓዊ ገጻቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን ናንሲ ፈይሰር፡ ኣንጻር ፖሊስ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ኣትሪራ ከም እትዅንኖ ኣብ ናይ ትዊተር ገጻ ኣስፊራ ኣላ።
ሰደኤፍ (ZDF) ዝተባህለ ካብቶም ዓበይቲ ጋዜጣታት ጀርመን ከም ዘስፈሮ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሄሰን፡ ፐተር ቦይት ንፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን፡ ንኣምባሳዳር ኤርትራ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ጸዊዑ ከዘራርቦ ብቐዳም ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ከም ሓበሬታ ማዕከናት ዜና ጀርመን፡ “ጀርመን፡ መቃለሲ ባይታ ጉዳያት ኤርትራ ከም ዘይኰነት መንግስቲ ኤርትራ ክፈልጥ ኣለዎ፡” ክብል ተማሕጺኑ። ፈደራል መንግስቲ ጀርመን ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ሓደ ውሳነ ሂቡ እንተዀይኑን ኣብ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ጀርመን እቲ ጉዳይ ተላዒሉ እንተዀይኑን ግን እቲ ዜና ኣየመልከተን።
ፈስቲቫል ጊሰን ዓሚ ተመሳሳሊ ጎንጺ ድሕሪ ምልዓሉ፡ ነቲ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎ ፈስቲቫል ከይካየድ ከልኪሉ ነይሩ’ዩ። ኣብቲ ድሒሩ ብቤት ፍርዲ ኣውራጃ ዝተለወጠ ውሳነ፡ ቅድሚ’ቲ ፈስቲቫል ምክያዱ ነዊሕ ከከራኽር ጸኒሑ’ዩ።