መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ሰሓርቲ፣ ናይ ሓደ ጣብያ ኣመሓዳሪ ማህተም ብሓይሊ ዝመንዝዑ ሓይልታት ፀጥታ ምስ ነበርቲ ብዝፈጠርዎ ተፃብኦ 17 ሰባት ጉድኣት በፂሕዎም ክብሉ ብግዜያዊ ምምሕዳር ኣመሓዳሪ ወረዳ ሰሓርቲ ኮይኖም ዝተመደቡ ኣይተ ኣታኽልቲ ግርማይ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
ኣብቲ ጉዳይ ኣርሚ-26 ተባሂሉ ናይ ዝፍለጥ መሓውር ፀጥታ ኣዛዚ ኮሌኔል ሓጎስ ገብረ "ኣባላት ፀጥታ ናብቲ ከባቢ ዝኸዱ ብህዝቢ ተፀዊዖም'ዮም። ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዝተወሰደ ስጉምቲ ድማ የለን፡" ኢሎም። “እቲ ክሲ ሽም ሰራዊትና ንምፅላም እዩ” ክብሉ እውን ምላሽ ሂቦም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ