ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ቢንያም ፍሉይነቱ ኣብ ርእሰ ተኣማንነቱን ኣብ ትብዓቱን`ዩ" ነባር ጋዜጠኛ ስፖርት  ክብረኣብ ተስፋሚካኤል   


ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማሸ ቢንያም ግርማይ
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማሸ ቢንያም ግርማይ

ነባር ጋዜጠኛ ስፖርት ክብረኣብ ተስፋሚካኤል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ፡ ንቢንያም ግርማይ ናብዚ ታሪኻዊ ዓወት መድረኽ ቱር ዲ-ፍራንስ ከብቅዖ ዝኽኣለ ብቐንዱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ታሪኽ ውድድር ብሽክለታ`ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ቅጽበታዊ ውድድር ግን ትብዓትን ርእሰ-ተኣማንነትን ፍሉይ ተራ ኔርዎ`ዩ ኢሉ።

ንታሪኽን ብቕዓትን ብሽክለታ ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ኤርትራውያን ተወዳደርቲ ሎሚ ዘይኮነስ ኣቐዲሞም`ዮም ብብዝሒ ናብ ከም ቱር ዲ ፍራንስ ዝበለ ዓበይቲ ውድድራት ክሳተፉ ኔርዎም ዝበለ ክብረኣብ፡ ከም ኣብ ስዊዘርላንድ ዝውሃብ ስልጠና ዓይነት ዕድል ክውሃቦም ከም ዝግባእ ይመክር።

ብኻልእ ወገን ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ወኪሎም ኣብ ከም ሻምፒዮናት ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ነቶም ሓደሽቲ ናእሽቱ ዕድል ክውሃብ ይግባእ ኢሉ። ቢንያም ግርማይ ድሕሪቲ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ዘመዝገቦ ታሪኻዊ ዓወት፡ ናይ መሪሕነት ቀጠልያ ማልያ ዓቂቡ ይቕጽል ኣሎ።

ቱር ዲ ፍራንስ 21 መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ፡ ሎሚ ዝተኻየደ ሻውዓይ መድረኽ ዙር ቱር ዲ ፍራንስ ብቐንዱ ነቶም ንብጫ ማልያ ዝወዳደሩ ዝግደፍ ኮይኑ፡ቢንያም ቀጠልያ ማልይኡ ዓቂቡ ውድድሩ ብሰላም ዛዚሙ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG