ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ፍራንኮ-በልጂዩም ሰርክዩት ቀዳማይ ወጺኡ


ተሰላፊ በልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማሸ ዝዀነ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተቓንዐ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድም ፍራንኮ-በልጂዩም ሰርክዩት ቀዳማይ ወጺኡ። ኣብዚ 190.6 ኪሎሜተር ዝሸፈነ ውድድር፡ ቢንያም ዝተዓወተሉ-- ካስሊስ ቱር -- ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓቢ ውድድር፡ ፈረንሳዊ ኣክሰል ዚንግለ ካልኣይ ክወጽእ እንከሎ ስዊዘርላንዳዊ ማርክ ሂርሺ ድማ ሳልሳይ ወጺኦም ኣለዉ።

ኣብቲ ተረርቲ ዓቐበት ዝነበሮ ውድድር፡ ቢንያም ኣብ ኣጋ መዛዘሚ ሕንጻጽ፡ ኣቐዲሙ ነቶም መወዳድርቱ ሓይሎም ክውድኡ ክዕዘብ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ መጥቃዕቲ ፈንዩ በቲ መለለዪኡ ዝዀነ ቅጽበታዊ ውድድር ተዓዋቲ ኰይኑ።

ውድድር ፍራንኮ-በልጂዩም ሰርክዩት ኣብ በልጂዩምን ፈረንሳይን ዝካየድ ናይ ሓንቲ መዓልቲ ውድድር’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG