ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ ናብ ክልል ትግራይ ዝግበሮ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሉ ኣፍሊጡ


ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ናብ ክልል ትግራይ ክልእኮ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቍራጹ ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪት እቲ ትካል ሳማንታ ፖወር ከም ዝሓበረኦ፡ ትካለን ናብዚ ዘሕዝን መደምደምታ ዝበጽሐ፡ ንሓገዝ ተባሂሉ ናብቲ ክልል ዝኣቱ እኽሊን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ብተደጋጋሚ ኣብ ዕዳጋ ክወርድ ስለ ዝተገንዘበ’ዩ። እዚ ትካል ነዚ ስጕምቲ ዝወስድ ዘሎ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ብተመሳሳሊ ምኽንያት ናብ ክልል ትግራይ ዝለኣኽ ሓገዝ ደው ከም ዘበለ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ።

ኣመሓዳሪት እቲ ትካል ሳማንታ ፓወር “ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ናብ ክልል ትግራይ ነቶም ብጥሜት ዝተጠቕዑ ወገናት ዝተላእከ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዕዳጋ ወሪዱ ይሽየጥ ምህላዉ ስለ ዝተገንዘበ፡ ናብቲ ዘሕዝን ውሳነ ክንበጽሕ ተገዲድና ኣሎና፡” ኢለን።

ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ንውሳነኡ ትማሊ ረቡዕ’ዩ ወግዓዊ ገይሩዎ። ናብዚ ስጕምቲ ቅድሚ ምብዛሑ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዘድሊ ምርመራ ክግበር ናብ ቤት ጽሕፈት ኢንስፐክተር ጀነራል ኢትዮጵያ መሪሕዎ ምጽናሑ ሳማንታ ፖወር ጠቒሰን።

እተን ኣመሪካዊት በዓልቲ መዚ ወሲኸን፡ ዘድሊ ናይ ምክትታል መስርሕ ምስ ዝትግበርን እቲ ሓገዝ ናብ ዝምልከቶም ወገናት ክበጽሕ ርጉጽ ምስ ዝኸውንን፡ ትካለን ስራሕ ክቕጽል ድሉው ምዃኑ ሓቢረን።

ሳማንታ ፖወር ኣብ መግለጺአን፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሓገዝ መግቢ ደው ደኣ ይበል እምበር፡ ካልእ ተሰሪቑ ናብ ዕዳጋ ክወርድ ኣይክእልን ዝተባህለ ሓገዝ ከም ጽሩይ ዝሰት ማይ፡ መሳለጢ ሕርሻን ካልእ ሓገዛትን ግን ክቕጽል ምዃኑ ኣመልኪተን።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP)’ውን ብተመሳሳሊ፡ ንሓገዝ ዝተላእከ እኽሊን ካልእ ቀረባትን ብተደጋጋሚ ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ ስለ ዝረኸቦ ናብ ክልል ትግራይ ዝገብሮ ሓገዝ ደው ምባሉ ይዝከር።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም 84% ካብ ህዝቢ ትግራይ ተጸባዪ ረዲኤት ምዃኑ’ዩ ዘመልክት። ከምኡ እናዀነ ሓገዛት ህይወት ኣድሕን ናብ ካልእ ወገናት ክሰገር ከም ዘይጸወሮ ሓቢሩ።

ትካል ተራድኦ ልምዓት ኣመሪካ ኰነ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ምሻጥ እቲ ሓገዝ ጥፍኣተኛ ዝበሉዎ ኣካል ብስም ኣይረቝሑን።

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣብዚ ጉዳይ ብበየኖም ኣካላት ክቐርበሉ ንዝጸንሐ ጻውዒት ንፈጸምቲ በደል ዝግበኦም ፍርዲ ክህብ ክሰርሕ ምዃኑ ከመልክት ጸኒሑ’ዩ።

ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ነዚ ጉዳይ መርሚራ፡ ንበደልቲ ዝግበኦም ፍርዲ እትህብ፡ ብሌ/ጀነራል ፍስሃ ኪዳኑ እትምራሕ ሓይሊ-ዕማም ምቛሞም’ውን ወግዓዊ ገይሮም ኣለዉ። ኣቶ ጌታቸው ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ከም ዝሓበሩዎ፡ ምስ መሻርኽቲ ኣካላት፡ መራሕቲ ማሕበርኮማት ክልል ትግራይን ድሕሪ ምልዛቦምን ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝቐርብ ክስታት ኣብ ባይታ ዘይክወል ጭብጥታት ድሕሪ ምርኣዮምን ነቲ ስጕምቲ ክወስዱ ከም ዝተደረኹ ኣመልኪቶም።

XS
SM
MD
LG