ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሖ ስራሕ ንግዜኡ ከም ዘቋረጾ ኣፍሊጡ


ብሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ እኽሊን ካልእ መሰረታዊ ቀረባትን ኣብ ዕዳጋ ክሽየጥ ስለ ዝተረኽበ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ክገብሮ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ደው ከም ዘብሎ ፕሮግራም መግቢ ዓለም(WFP) ኣፍሊጡ። ከም ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እቲ ዝተገብረ ምጥፍፋእ ክሳብ ዝጻረ፡ ካብ 20 ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብቲ ክልል ሓገዝ ናይ ምብጻሕ መደባቱ ደው ምባሉ ኣመልኪቱ።

ብቤት ጽሕፈት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ናብ መሻርኽቲ ኣካላት ኣብ ዝተላእከ ደብዳበ፡ እቲ ንኣስታት 100-ሽሕ ዜጋታት ዝኸውን ቀረባት ካብ ሸራሮ ድሕሪ ምስራቑ፡ ኣድላዪ ምጽራይ ክግበር ክጽውዕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዳይረክተር እቲ ፕሮግራም ናብ ልል ትግራይ በጺሑ ምስ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ነቲ ኣርእስቲ ከም ዘልዓሎን ብወገን እቲ ምምሕዳር ድማ ኣብ ምጽራይ ዘድሊ ስራሕ ክዕምመ ምዃኑን ኣብ ግዜኡ ተሓቢሩ ነይሩ።

ኣብ ካልእ ምዕባለ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20-ሚልዮን ዜጋታት ዝቕልብ ሓገዝ ምጥፍፋኡ ሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG