ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብUSAID ዝህነጽ ማእከል ደም ኣብ ኢትዮጵያ ይስራሕ ኣሎ


ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱ
ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱ

ኣብ ኢትዮጵያ ልግሲ ደም ንምስላጥን ዝተለገሰ ደም ጥዕንኡ ንምርግጋጽን መድሃኒትነት ዘለዎም ተዋጽኦ ደም ንምውዳድ ተወሳኺ ዓቕሚ ዝፈጥር’ዩ ዝተባህለሉ ሓድሽ ማእከል ደም ህንጸት ክጅመር’ዩ።

ስነ-ስርዓት ምጅማር'ቲ ህንጸት
ስነ-ስርዓት ምጅማር'ቲ ህንጸት

እዚ ሓድሽ ማእከል ን26 ሚሊዮን ኢትዮጵያዊያን ኣገልግሎት ዝህብ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ወጻኢ’ቲ ዝህነጽ ማእኸል ደም ብተራድኦ ስግር ባሕሪ ኣሜሪካ (USAID) ዝሽፈን ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ሎሚ ረፍዲ ኣብ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት እቲ ዝህነጽ ሃገራዊ ማእከል ደም ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ምኳኑን እዚ ቤት ዕዮ ህይወት ኣድሕን ንዝኾኑ ደምን ውጽኢት ምርመራ ደምን ንምዝርጋሕ ዘክእሎ ተወሳኺ ዓቅሚ ከምዝፈጥር ትጽቢት ተጌሩሉ’ሎ።

ኣብ ምጅማር ህንጸት’ቲ ማእከል ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ከሰተብርሃን ኣድማሱ እቲ ሓድሽ ህንጻ ብዙሕ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ብUSAID ዝህነጽ ማእከል ደም ኣብ ኢትዮጵያ ይስራሕ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:07 0:00

XS
SM
MD
LG