ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስትን ኣጋራትን ንፕሮግራማት ሰብኣዊ ረድኤትን ውሕስነት መግብን ዝህቡዎ ሓገዝ ከዕብዩ ጻውዒት ቀሪቡ


መንግስትን ካልኦት ኣጋራትን ንፕሮግራማት ሰብኣዊ ረድኤትን ውሕስነት መግብን ዝህቡዎ ሓገዝ ከዕብዩ ኣማሓዳሪ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ (USAID) ፀዊዖም።

ንሶም ነዚ ዝገለፁ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ምስ ዛዘሙ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ መግለፂ እዩ።

ኣመሓዳሪ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ ማርክ ግሪን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየድዎ ፈላማይ ዑደት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ካልኦት ሃገራት ተወሳኺ ክሕግዙ ጸዊዖም።

"ብዝበለጸ ክሰርሓ ኢና ንሓትት ዘለና። ሃገራት ንሓድሕደን ብመንጽር ፖሊሲ ቀዳምነት ዝህብኦ ነገራትን ካብ ክብርታተን ብምልዓል እኹል ማለት ክንደይ ምኳኑ ክውስናን ኣለወን። መሻርኽቲ ብዝበለጸ ክሕግዛ ንሓትት ዘለና ጠለብ ረድኤት ዝለዓለ ስለዝኾነ እዩ። ብጽሒትና እናወፈና ጻውዒትና ቀጻሊ እዩ።"

ኣሜሪካ ቀንዲ ሓጋዚት ሰብኣዊ ረድኤት ኢትዮጵያ እያ።

ኣማሓዳሪ እቲ ትካል ማርክ ግሪን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩዎ ወግዓዊ ዑደት ሓዊሱ ኣብዚ ዓመት ንድርቂ ጥራሕ ልዕሊ 450 ሚሊዮን ዶላር ሓጊዛ’ላ።እዚ ኮይኑ ግን መንግስቲ ፃዕሩ ከሓይል ንካልኦት ኣጋር መንግስታት እውን ዝበለፀ ክሕግዙን ግሪን ሓቲቶም።

ቻይናዊያን ኣብ ዘፈራት ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ተመሳሰልቲ ስራሕትን፣ ኣሜሪካ ዜጋታት ድርቂ ናይ ምፅዋር ዓቕሞም ከዕብዩን ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምውፋይን ትሰርሕ ከምዘላ ብምንጻር ዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም።

“ኣብ ክልል ሶማሊያ ይካየድ ንዘሎ ረድኤት መግቢ ተዘዋዊረ ክርእይ ከለኹ ኣብቲ ዝዕደል መግቢ ናይ ቻይና ምልክት ንምርኣይ ፈቲነ ኣይርኣኹን። ኣሜሪካ ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ምቕራብ ዝኾነ ትኹን ሃገር ዘይትገብሮ ሓገዝ እተወፊ ሃገር እያ፤ከምኡ ምስ ስራሕና እውን ክንቕጽለሉ ኢና።”

ናይ ኣሜሪካ ሞዴል ልምዓትን ልምዓታዊ ረድኤትን ናይ ሃገር ዓቕሚ ምህናፅን ቀፃሊ ዝኾነ ነገር ገዲፍካ ምኻድ እዩ፤ፕርግራምትና ክዛዘሙ ከለው ምስ ዕዳጋ ምስራሕን ናይ ባዕሎም ፈተናታት ምሕላፍ ዝኽእሉን ኢትዮጵያዊያን ገዲፍና ኢና ንኸይድ ኢሎም።

አማሓዳሪ ናይ ኣሜሪካ ዓለምለኸ ትካል ተራድኦ ማርክ ግሪን ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ዛዚሞም ዝሓለፈ ዓርቢ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG