ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስ ንሰብኣዊ ረድኤትን ውሕስነት ምግብን እኹል ገንዘብ ክምድብ ምሉእ ተስፋ ኣለኒ ኢሎም ኣማሓዳር USAID


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኮንግረስ ን2018 ዓመት በጀት ከፅድቕ ከሎ ንሰብኣዊ ረድኤትን ውሕስነት ምግብን እኹል ገንዘብ ከምዝምድብ ብዓል ምሉእ ተስፋ እየ ኢሎም ኣማሓዳሪ USIAD።ብፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ንUSAID ዝለዓለ ምንካይ የርኢ።ፍሉይ ልኡኽ ቀዳማ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረ ክርስቶስ ኣምሓዳሪ USIAD ማርክ ግሪን ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ኣብዝተራኸብሉ እዋን ሓገዝ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም ኣለው ኢሎም።

ኣማሓዳሪ USAID ማርክ ግሪን ህዝቢ ኣሜሪካ ኩልሻዕ ኣብ ጎኒ ሓገዝ ዘድልዮም ደው ከምዝብል ርግፀኛ እየ፤እዚ ኣብ ታሪኽና ዘሎ እዩ።ድርቅን ህፁፅ ቅልውላውን ከጋጥም ከሎ ርህሩህ ዝኾነ ህዝቢ ኣሜሪካ ክሕግዝ ቅሩብ እዩ፤ስለዚ ካብቲ ብኮንግረ ዝፀድቖ በጀት ስራሕትና ከቐፅል ዘኽእል ገንዘብ ክንረክብ ኢና።በዚ ርግፀኛ እየ ኢሎም።

ማርክ ግሪን ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ዝተዘራረብሉ እዋን ዝተሳተፉ ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክስርቶስ ኩነታት ዓለም ኣብ ግምት ብምእታው ሃገራት ገለ ናይ በጀት ምምዕርራያት ይገብራ እንተሃለዋ እውን ምትሕብባርን ረድኤትን ዘድልየን፣ብድርቅን ብግጭትን ዝተጠቕዓ ሃገራት ኣሜሪካ ካብ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት ሓገዝ የድልየን እዩ ኢሎም።

‘’እቲ ምንካይ የተሓሳስብ እዩ።ግን ኣዚዩ ዝተሓሳስበና ጉዳይ ክኣ ይኮነን።ቀዳማይ ነገር ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ኣብ ብዙሓት ጉዳያት ፅቡቕ ምሕዝነት ኣሎ፤ካልኣይ ኢትዮጵያ እትረኽቦ ናይ ወፃኢ ረድኤት ይኹን ምትሕብባር እቲ ገንዝብ ብዝግባእ እያ ኣብ ስራሕ ተውዕሎ’’ኢሎም።

ኣምሓዳሪ USAID ማርክ ግሪን ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ዛዚሞም ሎሚ ተመሊሶም ኣለው።

ዝርዝሩ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:16 0:00

XS
SM
MD
LG