ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሊንከን ምስ ዋና-ጸሓፊ ካቢነ ኬንያ ተራኺቡ፣ ግሪንፊልድ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተዓዘብቶ ተስፋን ስክፍታን ተካፍል


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ዋና-ጸሓፊ ካቢነን ዝምድናታት ወጻኢን ኬንያ ሙሳይላ ሙዳቫኒ ተራኺቡ ኣብ ክልኣተኣዊ ዝምድናን ጉዳይ ጸጥታን ምትሕብባርን ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዝታዮም ካብቲ ቤት ጽሕፈት ዝወጽአ መግለጺ ሓቢሩ።

ብሊንከን ንኬንያዊ መዘናኡ እታ ሃገር ኣብ ዞባዊ ጸጥታን ምርግጋእን ኪንዮኡ ሰጊራ’ውን ናብ ሀይቲ ኣውሓስቲ ጸጥታ ንምስዳድ ዝገረቶ ተበግሶን ንኢዱ። ኣመሪካ ምስ ኬንያ ዝህልዋ ዝምድናን ምሕዝነትን ተሪር ሰረት ከም ዘለዎ ድማ ብሊንከ ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ናብ ላይበሪያ፡ ሰራሊዮንን ጊኒ-ቢሳውን ዑደት ስራሕ ክትግበር ዝቐነየት ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ፡ ንዕላማ ዑደታ ኣመልኪታ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝገበረቶ ጻንሒት፡ እታ ሓድሽ ፕረዚደንት ቃለ-ማሕላ ዘፈጸመት ላይበሪያ ድጋፍ ንምርኣይን ኣብቲ ዞባ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ዕልዋ መንግስታት ዳህሳስን ዘተን ንምግባር ምዃኑ ኣመልኪታ። ኣምባሳድር ግሪንፊልድ ኣስዒባ ንምዕራባዊ ደምበ ኢኮዋስ ዘለዋ ድጋፍ ድሕሪ ምግላጽ፡ እተን ዕልዋ ዝፈጸማ ሃገራት ካብቲ ደምበ ምስሓበን ክህሉዎ ዝኽእል ኣሰካፊ ሳዕቤን’ውን ኣካፊላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG