ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ብዛዕባ ናብ ኢትዮጵያ ዝገሹ ዜጋታት ዝሃበቶ መጠንቐቕታ ኣናዊሓ


ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ሕዳር 2015 ዓ.ም ብዝጀመረ ተቃውሞታት ኣንጻር መንግስቲ ኣብታ ሃገር ተኽእሎ ዘይምርግጋእ ክህልው ከምዝኽእል ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይድዎ መገሻ ዝሃቦ መጠንቐቕታ ኣናዊሕዎ’ሎ።

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ብሰንኪ መንግስታዊ ቀይድታት ተንቀሳቃሲ ቴሌፎንን ኣገልግሎት ኢንተርነትን እቲ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ጸጥታ አቀዲምካ ክፍለጥ ናይ ዘይምኽኣል ባህሪ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት’ታ ሃገር ዝህቦ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ብዘይ ቅድመ መጠንቐቕታ ዝተገደበ ኽኸውን ይኽእል’ዩ ኢሉ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ሰባት ከም ልሙድ ክሕሰብ ዝኽእል ርኽባት፡ ምኽትታል መራኸቢ ብዙሃን፡ኣኼባታት ምስ መንግስታት ወይ አካላት ወጻኢ ምኽያድ ሰዓታት እቶ እቶ ምጥሓስ ዝበሉ ተግባራት ንውልቀ ሰባት ክእሰሩ ዝፈቅድ ዓንቀጻት ዝሓወሰ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን 8 ጥቅምቲ 2016 ተግባራዊ ጌሩ’ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአሰሩ ዜጋታት ኣሜሪካ ኣመልኪቱ ንኤምባሲ ኣሜሪካ ኣየፍልጥን’ዩ ዝበለ‘ቲ መጠንቐቕታ ምሉእ አዋጅ ትግባረ’ቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምርኻብ ይኸአል ኢሉ’ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ወይ ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ ዝደልዩ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኣብዝምልከት ንዘሎ ሓበሬታ ደሕንነትን ጸጥታ ርእዩ ኢሉ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ብዘሎ አቐዲምካ ክፍለጥ ዘይከአል ኩነታት መራኸቢ ሓበሬታ ብናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ወይ (SMS) ንኽረኽቡ ሞባይል ስልኮም ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ከምዝግቡ ዝመኸረ ቤት ዕዩ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ፕሮግራም ስቴፕ(Smart Traveler Enrollerment Program) ክምዝገቡ’ውን መኺሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ መጠንቐቕታ መገሻ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ምንባብ ይከአል።

ብሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ቅድሚ ሕጂ ዝወጸ መጠንቐቕታ መገሻ ዜጋታቱ ናብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ምንባብ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG