ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ ዜጋታታ ናብ ኢትዮጵያ ዘኻይድዎ መገሻ ብዝምልከት ዝወጸ መጠንቐቕታ ብጥንቓቐ ዝወጸ’ዩ ክብሉ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት አፍሊጦም


ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ከርቢ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ከርቢ

ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ብሰንኪ ዝተራእየ ዘይምርግጋእ ኣሜሪካዊያን ናብ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ጉዕዞ ብዝምልከት ዘውፅኦ መጠንቀቕታ ብጥንቃቐ ተራእዩ ዝወፀ እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ሚኒስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ነዚ ዝበሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ፀጥታ ፀገም ስለዘየለ ዝወፀ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ መስሓቒ እዩ ክብል ንዝሃቦ መልሲ ተሓቲቶም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ እዮም።

ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያ ክጉዓዙ ንዝደልዩ ዜጋታታ ዘውፅአቶ ናይ ጉዕዞ መጠንቐቕታ ብዝምልከት መልሲ ዝሃበ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩነታት ኢትዮጵያ ዝተረጋግአን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ይኹን ዓይነት ፀገም ፀጥታ ከምዘየለን ገሊፁ’ሎ።

እቲ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዝጠቐሰ ሓታቲ ሕዚ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ዳግም ንምርኣይ ኣድላዩ እንተኾይኑ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ጆን ከርቢ ከምዚ ክብሉ መሊሶም።

“ኣይፋልን።ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ብቐሊሉ ኣይኮናን እነውፅእ።ኣማሓይሽና ክነውፅእ ከለና ሰባት ዝለዓለ ጠመተ ከምዝህብሉ ስለ እንርዳእ ብጥንቃቐ ኢና ነውፅኦ።ሰባት ትኹረት ክህብሉ ንደሊ ኢና።እዚ ንገብረሉ ምኽንያት ኣሜሪካዊያን ዜጋታት ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዓለም ክጉዓዙ ከለው ይኹን ኣብኡ ክፀንሑ ከለው ጥንቃቐ ምእንታን ክገብሩ ስለዝኾነ ኢትዮጵያ እውን ዝተፈለየት ኣይኮነን።”

ነዚ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ ብዝምልከት መልሲ ዝሃቡ ሓላፊ ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

“ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣሜሪካዊያን ናብ ኢትዮጵያ ንምጉዓዝ ዝሓዝዎ መደብ ክስርዙ ተጽዕኖ ንምፍጣር ከምዚ ዝመሰለ ዘስደምም ምኽንያት ንምቕራብ ዝወሰኑ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣለው።ምርግጋእን ሰላምን ኢትዮጵያ ዘተሓሳሰቦ ሰባት ዘለው ይመስል።ምኽንያቱ ኣብቲ ዝወፀ መጠንቀቕታ ናይ መጀመሪያ ዓንቀፅ እንተድኣ ኣንቢብኩምዎ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሕዚ እውን ዘይምርግጋእ ከምዘሎ የመልክት።ዘይተርጋግአ ነገር የለን።”

እቲ መግለፂ ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ይኹኑ ካልኦት ሃገራት ኣቐዲሞም ንመንግስቲ ከየፍለጡን ፍቓድ ከይረኸቡን ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ከይጉዓዙ ዝኽልክል ብምዃኑ ኤምባሲ ኣሜሪካ ንዜጋታቱ ሓገዝ ንምሃብ ዝህልዎ ዓቕሚ ዝጎድእ እዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።

ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ዜጋታት ናብ ኢትዮጵያ ዘካይድዎ መገሻ ብዝምልከት ዝወጸ መጠንቐቕታ ኣብዚ ምንባብ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG