ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንገለ ክፋል እገዳ መገሻ ፕረ. ትራምፕ ፍቃድ ሂቡ


ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንገለ ክፋል ናይቲ ዝተመሓየሸ ናይ መገሻ እገዳ ፕረዝደንት ትራምፕ ክሳብ ወርሒ ጥቕምቲ ዳግማይ ዝረአ ፍቃድ ምሃቡ ተገሊጹ። ናይ ፕረዝደንት ትራምፕ እገዳ መገሻ ካብ ሃገራት ኢራን፡ሊብያ፡ሶማል፡ሱዳን፡ሶርያን የመንን ናብ ኣሜሪካ ዝመጹ ገያሾ ን90 መዓልታት ቪዛ ዝኽልክል ኽከውን ከሎ ንናይ ኣሜሪካ ፕሮግራም ስደተኛታት ድማ ን120 መዓልታት ደው ክብል ዝእዝዝ እዩ። ነዚ ዝበዝሓ ካብ ህዝበን ኣመንቲ እስልምና ዝኮና ሃገራት ዜጋታተን ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ዝኽልክል ውሳኔ ኣብ ወርሒ መጋቢት ምስ ወጸ ፈደራላዊ ቤት ፍርዲታት ክፍለ ግዝኣታት ሃዋይን ሜሪላንድን ምሉእ ንምሉእ ደው ክብል ምእዛዞም ይዝኸር።

ፕረዝደንት ትራምፕ ነዚ ሓድሽ ፍቃድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተቐቢሎሞ ኣለው ፡ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ነቲ ውሳኔ ይነቕፉ።

ፕረዝደንት ትራምፕ ብዛዕባ ሓድሽ ውሳኔ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሓቲቶም “ብጣዕሚ ጽቡቕ፡የቀንየለይ፡ ጽቡቕ’ዩ” ክብሉ መሊሶም።

ፕረዝደንት ትራምፕ እዚ ውሳኔ ንውሕስነት ኣሜሪካ ኣድላይ ምኳኑ ክገልጹ ኸለው ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ብቅልጡፍ ነቐፌታኦም ኣስሚዖም ኣለው።

ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ንመሰላትን ስደተኛታት ዝሕለቕ ሕብረት ስደተኛታት ዝተባህለ ትካል አባል ዝኾኑ ስቲቨን ኮሂ ብዛዕባ ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ከምዚ ይብሉ።

“እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ነቲ ኣቐዲሙ መዝገብ ተኸፊቱ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ብተደጋጋሚ ውዱቕ ዝኮነ ጉዳይ ዳግማይ ክርእዮ’የ ምባሉ ንገዛእ ርእሱ ዘይፍትሓውን ንኣመንቲ እስልምና ዘጓንይን እገዳ እዩ። ብተወሳኺ ዘይንጹር ውሳኔ እዩ። መን እዩ ውሳኔ ክህብ? ምናልባት’ውን እቲ ኣመንቲ እስልምና ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ናብ ኣሜሪካ ከይኣትው ዝኸልከለ መንግስቲ ኽከውን ይኽእል።”

ብካልእ ወገን መብጽዓ እቲ ቤት ፍርዲ ከምቲ ዝረአ ድሩት ኣይኮነን ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው።

ኣብ ዓለምለኸ ምትሕግጋዝ ስደተኛታት ዝተባህለ ፕሮጀክት ትሰርሕ ቤትሲ ፊሸር ብወገና እቲ ውሳኔ ካብ ሓሙስ ተግባራዊ ከምዝኸውን ተገሊጹ’ሎ እንተኾነ ትግባረ እቲ ውሳኔ ንብዙሓት ከምዘደናግር ትሕብር።

ንሳ ብተወሳኺ እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምሉእ ሕገ መንግስታዊ ትንተና እቲ ናይ መገሻ እገዳ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከምዘካይድ ትገልጽ።

XS
SM
MD
LG