ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝሃቦ መጠንቀቂ መገሻ ናብ ኢትዮጵያ


ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ክሳብ ጥሪ ዝጸንሕ ናይ መገሻ መጠንቀቂ ንዜጋታት ኣሜሪካ ዘርጊሑ።

ብመሰረት’ቲ መግለጺ፣ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ተቃውሞ መንግስቲ ይኽሰት ከምዘሎ ገሊኡ ህውከት ከምዘስዓበን ይሕብር።

ኣገልግሎት ቴሌፎናትን ኢንተርኔትን ይቆራረጽን ይዕጾን ስለዘሎ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምስ ዜጋታቱ ንምርኻብ ኣጸጋሚ ከምዝገበሮ’ውን እቲ መግለጺ ጠቂሱ።

ሕዳር ዝጀመረ ተቃውሞ ጸረ መንግስቲ ብሕልፊ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን፣ ኣብ ሞንጎ ተቃወምቲን ሓይልታት መንግስቲን ርጽም ከምዝፈጠረ ዝፍለጥ’ዩ።

ተቃውሞታት ክቅጽሉን ንኣዲሳበባ ወሲኹ ናብ ካልኦት ከተማታት ክጋፋሕ ስለዝኽእል፣ ኣሜሪካዊያን ትኩርነቶም ክሕይሉ፣ ካብ ሰልፊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ንክርሕቁን ምዒዱ’ሎ ቤት ዕዮ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ።

XS
SM
MD
LG