ብሰንኪ ኣብ ዶብ ኤርትራ ኣቀዲምካ ምፍላጥ ዘይካኣል ጸጥታዊ ኩነታት ከምኡውን ከባቢያዊ ሰበ ስልጣን ብሰንኪ ዘንበርዎ ደረት ምንቅስቃስን፣ ኩሎም ኣሜሪካዊያን ናብ ኤርትራ እንተገይሾም ሓደጋ ከጋጥሞም ከምዝኽእል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ብዘይምቁራጽ የጠንቅቅ።
ኩሎም ወጻእተኛታት፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣሜሪካ’ውን፣ ካባ ኣስመራ ክወጹ እንተደልዮም ኣቀዲሞም ፈቃድ ክሓቱ ኣለዎም። እዚ ሓጹር’ዚ፣ ኤምባሲ ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ ወጻኢ ቆንጽላዊን ሕጹጽን ሓገዝ ንከየብርክት ዝድርቶ’ዩ።
እዚ መጠንቀቂ’ዚ ነቲ 6 ግንቦት 2015 ዝወጸ ተመሳሳሊ መጠንቀቂ ዝትክእ’ዩ።
ናብ ጥቃ ዶብ ካብ ምኻድ ተቆጠቡ። ኣብ ሰነ 2016 ኣብ ዶብ ኢትዮጵያ-ኤርትራ ዝተወለዐ ውግእ ንሞት ብርክት ዝበሉ ሰባት ጠንቂ ኮይኑ’ዩ። ፖለቲካዊን ወትሃደራዊን ወጥሪ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ጎረባብታ ጂቡቲን ኢትዮጵያን፣ ኹናት ናይ ምብራዕ ተኽእሎ ኣለዎ። ብሰንኪ ዞባዊ ተሃዋኺ ኩነታት፣ ሚኒስትር ወጻኢ ኣሜሪካ ናብ ጥቃ ዶብ ምስ ሱዳን ምንቅስቃስ ከይግበር’ውን ኣዘካኺሩ።
http://bit.ly/2bI2K3K