ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳመይቲ ወ/ሮ ኣሜሪካ ምሸል ኦባማ ምስ ኔልሰን ማንዴላ ተራኺበን


ወ/ሮ ሚሸል ኦባማ ምስ ክልተ ደቀን
ወ/ሮ ሚሸል ኦባማ ምስ ክልተ ደቀን

ፅባሕ መደረ ከስማዓ መደብ ኣለወን

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ቀዳማዊት ወ/ሮ ሚሸል ኦባማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ናይ ኽልተ ማዕልታት ዑደት ይፍፅማ ኣብዘለዋሉ ምልክት ነፃነት ፀለምቲ ምስ ዝኾኑ ኔልሰን ማንደላ ተራኺበን።

ምሸል ኦባማ ፀረ ኣፓርታይድ ተቓላሳይን ፕሬዝዳንት ነበር ደቡብ ኣፍሪካን ምስ ዝነበሩ ኔልሰን ማንደላ ክራኸባ እንተኾይነን ርግፀኛ ኣይነበሩን ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ።

ኣብ ናይ ኔልሰን ማንዴላ ፋውንደሽን ሓፂር ዑደት ምስፈፀማ ግን ጆህንስ በርግ ኣብዝርከብ መንበሪ ገዛ ወዲ 92 ዓመት ከይደን ንማንዴላ ሪአንኦም።

ፅባሕ ረቡዕ ንኣፍሪካዊያን መራሕቲ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ መደረ ከስምዓ እየን።

እተን ኣሜሪካዊት ቀዳማዊት እመቤት ንመናእሰይ ብዘሕልፍኦ መለእኽቲ ካብ ዘድንቓ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተምሃሪት ጛል 17 ዓመት ታቶ ሓንቲ እያ።

ንሳ ንወ/ሮ ምሸል ኦባማ ብዝነበራ ዓለም ለኻዊ ስብእናን ብስራሕቲ ሰብኣዊ ሓገዝን ናእዳ ምስ ዝረኸበት ልእልቲ ዳያና ተመሳስለን።

ንሳ ብምቕፃል ‘’ንዕአን ብምርኣይ ጥራሕ ከማና ንዝበላ ብዙሓት መናእሰይ ከለዓዕላ ዝኽእላ እየን።ኣብ ልዕሊኡ ድማ ብዙሕ ስታይልን ጨርቃ መርቅን ኣብዘለዋ ዓልም ስለ እንነብር ብፋሽነን ካብዝፍለጣ ደቂ ኣንስቶ ሓንቲ ምዃነን እየ ዝፈልጥ።ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ንመናእሰይ ደቂ ኣንስቶ ክኾና ዝደልይኦ ንክኾና ስለዘተባብዓ ዓብይ ነገር እዩ።’’ትብል።

ምሽለ ኦባማ ኔልሰን ማንዴላ ን18 ዓመታት ኣብ ዝተኣሰሩላ ኣብ ሮብን ኣይላንድን ኣብ ቦትስዋናን ክበፅሓ እየን።

XS
SM
MD
LG