ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

2016 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ሎሚ ሰሉስ ይካየድ ኣሎ


ከይዲ ምርጫ ኣብ ቨርጂንያ
ከይዲ ምርጫ ኣብ ቨርጂንያ

ኣሜሪካዊያን ካብ ሞንጎ'ቶም ብመሰረታዊ መጽናዕታት ህዝባዊ ተቀባልነቶም ኣዝዩ ዝታሓተ ክልተ ሕጹያት ንሓዲኦም ንምምራጽ ሎሚ ካብ ወጋሕታ ጀሚሮም ኣብ ነዊሕ መስርዕ ተጸሚዶም ውዒሎም ኣለው።

ክልቲኦም ሕጹያት ሎሚ ቅድሚ ምሳሕ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ መሪጾም ኣለው። ንገዛእ ርእሶም። ዛጊድ ኣብ ቅድመ መዓልቲ ምርጫ (Early Voting) ልዕሊ ኣርባዓ ሚልዮን ኣሜሪካዊያን ድምጾም ከምዝሃቡ ሪፖርታት ይሕብሩ።

ካብ ኣስመራ መሳርሕትና ተወልደ ወ/ገብርኤል፣ ካብ መቀለ ኣቀባሊና ግርማይ ገብሩ ትዕዝብቶምን ሪኢቶ ገለ ሰባትን፣ ካብ ቀንዲ ስቱድዮና ንመንነት ክልቲኦም ሕጹያትን ፖሊቲታቶምን ዘጉልሁ ሪፖርታት ቀሪብናልኩም ኣለና።

ሎሚ ሰሉስ ዳርጋ ፍርቂ ለይቲ ብኣቆጻጽራ ዋሽንግተን ዲሲ፣ ረቡዕ ንጉሆ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፍሉይ ምርጫ ዝምልከት ፈነወ ሬድዮ ክህልወና'ዩ። ካብ ሰዓት 1፡30 - 2፡00 ወይካኣ ካብ 7፡30 ክሳብ 8፡00 ናይ ንጉሆ ቀጥታዊ ፈነው ክህልወና'ዩ።

ሎሚ ዘሕለፍናዮ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተንከፍ ሪፖርት ቀጺሉ ቀሪቡልኩም ኣሎ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:20:30 0:00

XS
SM
MD
LG