ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባ. ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ከተማታት መቐለን ባህርዳርን ይበጽሕ


ምብጻሕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት መቐለን ባህርዳርን
ምብጻሕ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት መቐለን ባህርዳርን

ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ካብ ሰሉስ ክሳብ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከተማታት መቐለን ባህርዳርን ብምብጻሕ ምስ ኣመሓደርቲ እተን ክልላትን ፕረዚደንት ዩኒቨርስታትን ተራኺቡ።

ኣምባሳድር ማሲንጋ ኣብ መቐለ ኣብ ዝበጽሓሉ ምስ ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንትግባረ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሮያ ኣመልኪቱ ከም ዝተዛራረበ ካብቲ ኤምባሲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። ብተመሳሳሊ ኣብ ባህርዳር ምስ ፕረዚደንት ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ኣማሓዳሪ እቲ ከተማ’ውን ተራኺቡ።

እቲ ኣምባሳድር ኣብ ዑደቱ ምስ ፕረዚደንት ዩኒቨርስቲ መቐለን ዩኒቨርስቲ ባህርዳርን’ውን ተራኺቡ ነይሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ን10 መዓልታት ዝጸንሕ ዑደት ስራሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቐጠርን ይገብር ኣሎ። ዕላማ ዑደት ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ብቐንዱ ንግጭት ሱዳን ዘላቒ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ምዃኑ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ። እቲ ኣምባሳድር፡ ብመሪሕነት በይነ-መንግስታዊ ውድብ(ኢጋድ)፡ ካብ ጽባሕ ጀሚሩ ኣብ ጂቡቲ ንዝቃናዕ ርክብ ንምስታፍ ድሮ ኣብታ ሃገር ምእታዉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG