ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር፡ ንጉዳይ ሱዳንን ካልእን ንምክትታል ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ይጓዓዝ


ማይክ ሃመር
ማይክ ሃመር

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝኾነ ማይክ ሃመር ካብ ሎሚ 7 ታሕሳስ ካብ 17 ታሕሳስ ናብ ጂቡቱ፡ ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ቀጠር ንምብጻሕ መደብ ሒዙ ከም ዘሎ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ጂቡቲ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ማይይ ሃመር፡ ብበይነ-መንግስታዊ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ዝግበር ዘተ ክሳተፍ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብተመሳሳሊ ኣብ ቀጠር ንጉዳይ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብ ዝግበር ዋዕላ ክሳተፍ መደብ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር፡ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ጉዳያት ሱዳን ከምኡ’ውን ንትግባረ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ክዝቲ መደብ ከም ዘሎ እቲ ዝወጽአ መግለጺ የመልክት።

ብበይኖም ግጭታት ኦሮሞያን ኣምሓራን ተደጋጋሚ ነውጺ ንዘጋጥማ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ ኣመሪካ ኣብ ምዕራፍ እቲ ሰፊኑ ዘሎ ዘይምርግጋእ ተራኣ ክትጻወት ተስፋ ከም ዘሎ መግለጺ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG