ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ንኣካታዒ ሕጊ ብይን ክህብ ትፅቢት ይግበረሉ


ንዓለም-ለኸ ኩባንያታት ዝምልከት ክሲ ክሰምዕ'ዶ ይኽእል ዝብል ሕቶ ኣበጊሱ'ሎ

ንፁር ዘይኮነ ነባር ሕጊ ኣሜሪካ፣ዶብ ዘለል ኮርፖረሽናት ንዝፍፅምዎ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሕተቱ‘ዶ ከግድዶም‘ዩ ንዝብል ሕቶ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣሜሪካ ክውስን‘ዩ።

እቲ ቤት-ፍርዲ ንቃል ኩባንያ ሼልን፣መንግስቲ ናይጀርያ መጥቃዕቲ ፈፂሙ ትሻዓተ ሰባት እናተቀትሉ ከለው ስጉምቲ ኣይወሰደን ኢሎም ዝኸስዎን ተሓለቅቲ መሰላትን ከዳምፅ‘ዩ።

እቲ ምጉት ዝተመርኮሰ፣ቅድሚ ክልተ ሚእቲ ዝሓለፈን ክሳብ ኣብ‘ዚ ቀረባ ተጠቂሱ ኣብ ዘይፈልጥን ሕጊ‘ዩ።እቲ ”አልየን ቶርት” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ሕጊ፣ ኣብያተ-ፍርዲ ዓለም-ለኸ ሕግን ውዕላት ኣሜሪካን ተጣሒሶም ኢሎም ክሲ ንዘቅርቡ ወፃእተኛታት ንክሰምዕ ስልጣን ዝህብ‘ዩ።

ባዓል-ሞያን ተንታኒን ሕጊ ዳንየል ጎርፊን ግና፣ትግባረ‘ቲ ሕጊ ክሳብ ክንደይ‘ዩ ፅፍሑ ንዝብል ሕቶ መልሲ ዘይህብን ዘይንፁርን‘ዩ ክብል ይገልፆ።ብዘይካ‘ዚ ዓለም-ለኸ ሕጊ ንኮርፖረሽናት ይምልከቶም እንተኾይኑ‘ውን ክንፀር ይግባእ ይብል ዳንየል ጎርፊን።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG